ሓበሬታ

ኣሳፍ ደገፍ ትካል ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቅባን ኣብ እስራኤል

ኣብቲ ንኸፈተሉ ሰዓታት ናብ ናይ ጥብቅናን ደገፍን ማእከልና ንኽትመጽእ ንዕድመካ/

ኣብ ቤት ጽሕፈትና፡ ምስ ወለንተኛታትን ቀወምቲ ኣባላትናን ተኣማሚንካ ክትዛረብ፡ ቡን ክትሰቲ ወይ ኢንተርነት ክትጥቀም ዘፍቅድ ምቹእ ሃዋህዉ ኣሎ። ኣብ ዉልቃዊ ጉዳያትካ ክንሕግዘካ፡ናብ ካልእ መርበባት ወይ ትካላት ናይ ሓገዝ ብዛዕባ ጉዳይካ ክንወከሰልካ/ኪ ክንፍትን ኢና።

 

ሰዓታት ስራሕና

ሰንበትን ሰሉስን  ሰዓት 4:00 ድ.ቀ  እዩ።

መዘኻኸሪ፡ ናብቲ ክፉት መዓልታት ስራሕ ክትመጹ እንተ ደሊኹም ኣቀዲምኩም ብቴሌፎን ቆጸራ ክትሕዙ ከም ዘለኩም ኣይትረስዑ።

 

ኣሳፍ
ደገፍ ትካል ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቅባን ኣብ እስራኤል

ቆጸራ ንምሓዝ ብ0556650022 ቁጽሪ ቴለፎን ኣብዚ ዝስዕብ መዓልታትን ሰዓታትን ደውሉ፡

ሰንበት: 10:00 – 11:00

ሰሉስ: 10:00 – 11:00

ክፍት ናይ ምቅባል ተገልገልቲ ግዜና ከምቲ ንቡር ሰንበትን ሰሉስን  ኮይኑ ካብ ሰዓት 16:00-19:30

Address: Golomb 52

 

ኣሳፍ: ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን ሓገዝ ዝህብ ማሕበር።

 

ኣሳፍ  ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኮይኑ፡ናይ ሰብኣዊ መሰልን ናይ ረድኤትን ትካል እዩ።ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝርከቡ ድማ ይሕግዝ። ኣሳፍ ማሕበራዊን ስነኣእምሮኣዊን፡ ግብረሰናያዊ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንሓተቲ ዑቅባ የዳሉ።ኣሳፍ ነቲ ምግሃስ  መሰል ናይ ሓተቲ ዑቅባ ኣብ እስራኤል ብምቅላዕ ንመሰል ሓተቲ ዑቅባ ይቃለስን ይጣበቕን።ከምኡ ውን  ናይ ህዝቢ ንቅሓት ይዕባይን ቅዋም ወኪሉ ይጻረር።

 

ቀንዲ ፕሮጀክትታትና(ዕላማና)

  • ኩፉት ናይ ጥብቅናን ደገፍን ማእከል (ኩፉት ሰዓታት ስራሕ)ምድላው
  • ብውልቂ ኮነ ብጉጅለ ምሕጋዝን ምድጋፍን
  • ሓገዝ ንግዳያት ግፍዒን መጭዋይትን ምድላው
  • ደገፍ ንኣካላዊ ወይ ኣእምራዊ ስንክልና ንዘለዎምን ንተሰከምቲ ሕዱር ሕማም ከም ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ንዝኾኑን ።
  • ምድጋፍ ንንጽል ኣደታትን ንምስ ውሽጣዊ ጎነጽ ዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮን።
  • ምድላው ናይ መንእሰያት ክለብ (ኣወዳት ዕድመ 13-19፡ ኣዋልድ ዕድመ 9-19)
  • ሰብኣዊ ሓገዝ ምድላው

 

መሰልካ ንኽትረክብ ሓገዝ የድልየካ/ኪ’ዶ፧ከም ንጽል ወላዲ/ት መጠን ሸግር ኣለካ/ኪ’ዶ፧ኣካላዊ ወይ ኣእምራዊ ስንክልና’ዶ ኣለካ/ኪ፧ናይ ሓዘን ወይ ጭንቀት ስሚዒት ከምኡ ውን ለይቲ ምብህራርን ሂወይካ ኣብ ምምራሕ’ዶ ብቀጻሊ ትጽገም/ሚ ኢኺ/ኻ፧ወይ ካልእ ፍሉይ ውልቃዊ ሽግር ፧

ሓተቲ ዕቕባ ካብ እሽራኤል ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱ ዝምልከት ካብ ሓምለ 2018 ዝወጸ ሓበሬታ።

  • መደብ/ውጥን ዳግመ ምጥያስ ናይ ሕቡራት ሃገራት(UN) – መስርሕ ምስግጋር ሓተትቲ ዕቅባ ናብ ምዕራባውያን ሃገራትን ናይ ስደተኛ ባይታ ምቅባልን ብሽምግልና ናይ ውድብ ሕብራት ሃገራት (UN) ይካየድ። እዚ ድማ ነዞም ዝስዕቡ መምዘኒታት  ነዘማልእ ሰብ ይምልከት።

ሀ.ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ከም ስደተኛ ክፈልጦ ወይ ክፈልጣ ምስ ዝኽእል፡  እዚ ማለት ድማ ብመሰረት ዋዕላ ስደተኛታት 1951 ዝኾነ ሰብ ኣብ መበቆል ሃገሩ ተገፊዑን ተሳቅዩን  እንተነይሩን ናብ ሃገሩ እንተ ተመሊሱ ድማ ኣብ ሓደጋ ዝወድቅ እንተኮይኑ ከም ስደተኛ ይፍለጥ።

ለ. ንሓደጋ ዝተቃልዑ ሰባት፡ ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝኾነ ኩነታት ዝርከቡ (ምስ ኣባላት ማሕበር ሓተትቲ ዕቅባ ኣብ እስራኤል ብምዝማድ) ከም ኣብ እስራኤል ሕሙም ሰብ ኮይኑ ብዘይ ዝኾነ  ብቁዕ ፍወሳን ዝተሓላለኹ ማሕበራዊ ኩነታትን ወዘተ።

እቲ መስርሕ ናይ ምስግጋር ኣብ እተን ዝቅበላ ሃገራትን ናተን ፍቃድን  ዝተመርኮሰ እዩ።  ብኻልእ ኣበሃህላ እቲ ኣመልካቲ ወይ ሓታቲ ነቲ ዝተጠቅሰ መምዘኒታት ከማልእ ዋላ እንተኻኣለ፡ ንኽትቅበሎ ፍቃደኛ ዝኾነት ሃገር ዘይክትህሉ ትኽእል ወይ ኣብ እቲ ዓመት ዝኾነ ክቅበላ ዝኽእላ ሃገራት ወይ እኹል ቦታ ዘይክህሉ ይኽእል። ኣመልካቲ ዝተቃልዐ ማለት ኣብ ልዑል ዝኾነ ናይ ሓደጋ ኩነታት ኮይኑ ክርከብ ይኽእል፡ እቲ ኣዝዩ ውሱን ዝኾነ ቁጽሪ ናይ ምስግጋር ቦታ ግን፡ እቲ ኣመልካቲ ወይ ሓታቲ ነቲ ዕድል ክረኽቦ ኣይክእልን ምኽንያቱ ካብኡ ንላዕሊ ንሓደጋ ዝተቃልዑ ሰባት ስለዝርከቡ።

መተሓሳሰቢ፡

  • እቲ ቀንድን እንኮን ነቲ ኩሉ መስርሕ ብዓል ሓላፍነትን ውሳነ ዝህብን ኣካል ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት(UN) እዩ።
  • ናይ ምምልካት ወይ ምምላእ ቅጥዒ ዝኾነ ክፍሊት የብሉን ብናጻ እዩ።
  • እቲ መስርሕ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።(ዋላ ንገለ ዓመታት ክወስድ ይኽእል).
  • እተን ዝቅበላ ሃገራት መብዛሕቲኤን ኣብ መጀመርያ ናይቲ መስርሕ ፍሉጣት ኣይኮናን፡ ዝርዝር ክቅበላ ዝኽእላ ክትጠልብ ድማ ዝከኣል ኣይኮነን።
  • ምስ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ንምርኻብ በዚ ዝስዕብ ቴሌፎን ቁጽሪ ደዊልካ ክትሓዝ ይከኣል፡ 03-6376500

(2) ዳግመ ጥርናፈ ስድራቤት  ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሃገራት መሰል ናይ ዳግመ ጥርናፈ ኣብ ቀዳማይ ደራጃ ዝኾኑ ስድራቤት ከም ምርዕዋት ሰብሓዳር፡ ወለዲ ምስ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ደቆምን ይቅበላ እየን። ብሓፈሻ እቶም ስድራቤት ኣብቲ ዝርከብሉ ሃገር ዝርከብ ሰብ ስልጣን ናይ ስደተኛታት ብምምልካት ነቲ መስርሕ ክጅምሮ ይግባእ፡ እቲ መምዘኒታትን ዘድሊ ነገርን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ፡ ንሕና ክንቅይሮ ወይ ንድርኾ ነገር ኣይኮነን።

(3) "ናብ ካናዳ ብሓላፍነት ክወስደካ ዝኽእል ሰብ ዝብል መስርሕ (ስፖንሰርሺፕ) ካናዳ፡ ካናዳ ንሓተትቲ ዕቅባ ሰለስተ መደባት ናይ ብሓላፍነት ክወስደካ ዝኽእል ሰብ ዝብል (ስፖንሰርሺፕ) ኣለዋ።(ጉጅለ ሓሙሽተ / ማሕበር ስፖንሰርሺፕ / ናይ ስፖንሰርሺፕ ስምምዕ ዝሓዙን)። ነዚ መስርሕ እዚ ንምጅማር፡ እቲ ኣመልካቲ ኣካል ብገዛእ ርእሱ ካብ ካናዳ ብግላዊ (ግድን ቤተ ሰብ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን)  ወይ ብማሕበር/ትካል ብሓላፍነት ክወስዶ ዝኽእል ሰብ ክረክብ ክኽእል ኣለዎ፡ ስፖንሰር ማለት ሓደ ሰብ ኣብ ካናዳ ንዓኻ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ ውን  ንኽሕግዝ ዋሕስ ዝኽውን ዝኽእል እዩ። ተወሳኺ ስፖንሰርስሺፕ ንናይ “ጉጅለ ሓሙሽተን” “ ናይ ማሕበር ስፖንሰርሽፕን” መደባት ኣብ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት(UN)   ብውድብ ሕቡራት ሃገራት(UN) ስደተኛ ምኻኑ ንኽፍለጥን ወግዓዊ ሰነድ ናይ ስደተኛንነት ባይታ ዘረጋግጽን ቃለ መጠየቅ (ኢንተርቪው) ክገብር የድሊ።

መተሓሳሰቢ:  ካብ ወርሒ ሓምለ 2018 ብመሰረት ኣሳፍ ካብ ወኪል ሕቡራት ሃገራት(UN)ን ናይ ካናዳ ኤምባስን፡ ዝኾነ ሓደሽቲ ኣመልከትቲ  ቃለ መሕተት (ኢንተርቪው) ኣብ እዚ እዋን እዚ ዝተታሕዘ ወይ ዝተቆጽረ ከምዘየለን እቲ ኤምባሲ ድማ ኣቀዲሞም ዝቐረቡ ጉዳያት ይርኢ ከምዘሎን እዩ። እዚ ማለት ድማ ናይ 2018 ቦታ መሊኡ ኣሎ ማለት እዩ።

  • ዝርዝር ነቲ ናይ ስፖንሰርሺብ ዝምልከት ትካላት፡ (SAH):

https://www.canada.ca/en/immigration-refugees-citizenship/services/refugees/help-outside-canada/private-sponsorship-program/agreement-holders/holders-list.html

  • ተወሳኺ ሓቤረታ ብዛዕባ ስፖንሰርሺፕ ዝምልከት፡ ከተውርድዎ(ዳውንሎውድ)ትኽእሉ ሰነዳት ኣብ ናይ ካናዳ ኤምባሲ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ዌብሳይት ክትረኽብዎ ትኽእሉ፡

https://www.canada.ca/en/immigration-refugees-citizenship/services/refugees/help-outside-canada/private-sponsorship-program.html

  • ንተወሳኺ ሓቤሬታ ኣብ ማእከል ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል  ብምውካስ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ኣድራሻ

ጎደና ቸሎኖቭ ቁጽሪ 41 ተልኣቪቭ

ካብ ሰንበት ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 16፡00 ክሳብ 20፡30

(4) ደገፍ ናይ ወለንታዊ ምምላስን ዳግማ ጽንባረ መደብን ኤቨኣርኣር ንስደተኛ ኣብ ዝኾነ ሓደጋ ከይኣተወ ብሰላም ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝሕግዝ ትካልንኤርትራውያን ሱዳናውያንን ሓተትቲ ዕቅባ ዘይምልከት

ናብ መበቆል ሃገርኩም ብውሑስነት ሂወትኩም ኣብ ሓደጋ ከየእተኹም ክትምለሱ ንኽእል ኢልኩም እንተሓሲብኩም፡ ወኪል ውድብ ሃገራት (UN)ን ሲሚን ብውሑስ ናብ ሃገርኩም ንኽትምለሱ ክትሓጋገዙኹም ይኽእሉ እዮም።

  • ንተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ሲሚ ቀጥታ በዚ ዝስዕብ ኣድራሹ ተራኸቡ፡

ቴለ.: 03-6098440

ሞባይል: 054-218-9117

ኢመይል: [email protected]

(5) መደብወለንታዊ ምምላስሰበ ስልጣን ስደተኛታት ናይ እስራኤል

እዚ ኣማራጺ እዚ ውድብ ሕብራት ሃገራት(UN)ን ደገፍቲ ትካላትን ብሰንኪ እቲ ንሓተትቲ ዑቅባ ኣብቲ መንግስቲ እስራኤል ምስ ካልኦት ሃገራት  ተሓባቢሩ ነዚ መደብ ዘተግብሮ፡  ከጋንፎም ዝኽእል ሓደጋ ብምርዳእ ከም ኣማራጺ ክውሰድ ኣይመኽራን እየን።

PTSD ሕሉፍ ዘሰንብድ ፍጻመ ዘስዓቦ ነውጺ ኣእሙሮ ወይ ጭንቀት

“ከም ቀደመይ ኣይኮንኩን ዘለኹ…”

ሻቅሎት፡ ሓዘን፡ ምድንጋር፡ ተስፋ ምቁራጽ ይስመዓካ' ኣሎ?

ብቀጻሊ፡ ለይቲ ዘባህርር ሕልሚ፡ ድቃስ ምስኣን፡ ሕማም ርእሲ፡ ልብኻ ብሓይሊ ትወቅዕ፡ ሓደጋ ብቀጻሊ ከጋጥመኒ' ዝብል ፍርሒ የጋጥመካ ወይ ድማ መዓልታዊ ዕዮኻ ካብ ምክንዋን ኣዚኻ ትሽገር'? እዚ ዘጋጥመካ እንተሎ፡ ብሕሉፍዘሰንብድ ፍጻመ ዘስዓቦ ነውጺኣእሙሮ ወይ ጭንቀት ትሳቀ ትህሉ ኢኻ።

 

ሕሉፍዘሰንብድ ፍጻመ ዘስዓቦ ነውጺኣእሙሮ ወይ ጭንቀት እንታይ እዩ?

ሕሉፍ-ዘሰንብድ ፍጻመ ዘስዓቦ ነውጺ-ኣእሙሮ ወይ ጭንቀት ናይ ጭንቀት ሕማም ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሂወቱ ኣዝዩ ዘሰንብድ ፍጻሜ እንተደኣ ኣጋጢምዎ፡ ድሕሪ እቲ ኩነታት ክስዕብ ይኽእል። ዘሰንብድ ፍጻሜ ክንብል ከለና፡ ዝረኣኻዮ፡ ዝሰማዕካዮ፡ ወይ ድማ ዘጋጠመካ ኣዝዩ መሪር ወይ ሕማቅ ኣጋጣሚ፡ ከም፡

 

·         ስቅያት ኣብ ሲና ·         መጥቃዕቲ ወይ ማህሰይቲ
·         ጾታዊ ወይ ኣካላዊ ጉድኣት ወይ ዓመጽ ·         ስድራቤት ኣብ ግዜ ህጻንነት ሸለል ክብሉኻ ከለዉ
·         ምጭዋይ ·         ናይ ማኪና ወይ ነፋሪት ሓደጋ
·         ግብረ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ·         ባህርያዊ ሓደጋ
·         ናይ ቀረባኻ ዝኾነ ሰብ ሃንደብታዊ ሞት  

 

 

ሕሉፍዘሰንብድ ፍጻመ ዘስዓቦ ነውጺኣእሙሮ ወይ ጭንቀት ከም ዘለኒ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል?

እቲ ዘሰንብድ ፍጻመ ኣብ ሰብነትካን ኣብ ነብስኻን በሰላ ክገድፈልካ ይኽእል። ኣብ ሰብነትካ ተጎዲእካ ክትኸዉን ትኽእል፡ (መስበርቲ ኣብ እግሪ፡ ምቅጻል ኣብ ሕቆ፡ ናይ ኣጻብዕቲ ምቁራጽ፡ ሕማም ልቢ፡ ሕማም ርእሲ) ወይ ድማ ሳዕቤን ናይ'ቲ ዘጓነፈካ ዘሰንብድ ፍጻመ ስነ ኣእምሮኣዊ ስቅያት ክኸዉን ይኽእል።

ንኣብነት:

  1. ኣካላዊ ምልክታት፡ ሕማም ርእሲ፡ ሕማም ከብዲ፡ ሸዉሃት ምስኣን
  2. ነቲ ፍጻመ ኣብ ሓሳብካ እንዳደገምካ ምንባር፡ ለይቲ ሃተፍተፍ ምባል/ ምብህራር። ምናልባት ዉን እቲ ፍጻሜ ዝድገም ዘሎ ክመስለአ ይኽእል ይኸዉን። እዚ ድማ ፍላሽባክ ይበሃል።
  3. ነቲ ፍጻሜ ዘዘኻኽሩኻ ኩነታት ምዉጋድ፡ ፍርሒ ናይ ነቲ ፍጻሜ ዘዘኻኽሩኻ ነገራት ምርኣይ ወይ ምስማዕን ምዉጋዶምን።
  4. ሻቅሎት/ ስክፍታ: ሕርቃን ወይ ድማ ፍር­­ሒ ክስምዓካ ይኽእል ወይ ድማ ኩሉ እዋን ሓደጋ የጋጥመኒ ይኸዉን ኢልካ ቀጻሊ ትጥንቀቅ። ኣትኲርካ ምስራሕ ወይ ድም ምድቃስ ይኣብየካ ይኸዉን።
  5. ኣሉታዊ ለዉጢ ኣብ እምነትካ ወይ ስምዒታትካ፡ ብዛዕባ ነብስኻ ወይ ካልኦት ዘለካ ኣረኣእያ ይቅየር ይኸዉን። ሰባት ምእማን ትሽገር ትኸዉን። ናይ ፍርሒ፡ ጣዕሳ፡ ሕፍረት፡ ስምዒታት ዝዉቱራት እዮም። ቅድሚ ሕጂ ዘሕጉሱኻ ዝነበሩ ንጥፈታት ሕጂ ኣየገድሱኻን ይኾኑ። ጽምዋ ይስምዓካ ይኸዉን፡ ናይ ነብስኻ ምጥፋእ ሓሳባት ክመጽአካ ይኽእል።

እዞም ምልክታት፡ እቲ ዘሰንብድ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ ወይ ድሕሪ መዓልታት ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ክኽሰቱ ይኽእሉ።

ክሳብ እቲ ኩነታት ዝገድድ ኣይትጸበ። በይንኻ እይኮንካን!! ነዚ ነውጺኣእሙሮ ወይ ጭንቀት በዲህካ ሂወትካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ዘተኣማምን ደጋፊን ሓብሓቢን ሃዋህዉ (ቦታ) ሓገዝ ምርካብ

መሰል ሕሙማት ዝሕግዝ ሕጊ እስራኤል፡ ህጹጽ ናይ ሕክምና ጉዳይ እንተኣጋጢሙ፡ ኩሉ ሰብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ናይ ሕክምና ሓገዝ ክረክብ ከም ዘለዎ ይሕግግ። እዚ ድማ ገንዘብ ከይከፈልካ፡ ኣብ መጻኢ'ዉን ክትከፍል ከምዝኾንካ ከየረጋገጽካ ክኸዉን ይኽእል።

  • ሓደ ሓደ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ኣብ ዘተኣማምን ቦታ ምዝራብ ሓጋዚ ክኸዉን ይኽእል። ናይ ስነኣእምሮ ሓኻይም፡ ማሕበራዊ ኣማኸርቲ፡ ብኸመይ ክሰምዑን ክሕግዙን ከምዝኽእሉ ዝተመሃሩ እዮም። ነቲ ዝነገርካዮም ንኻልእ ሰብ ኣይክነግሩን እዮም።
  • ሓደ ሓደ እዋን መድሃኒት ሓጋዚ ክኸዉን ይኽእል። ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኻይም ነዚ ነውጺ-ኣእሙሮ ወይ ጭንቀት ክሕክሙ ዝኸእሉ ክኢላታት እዮም።

 

ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዘካይዶም ክልተ ክሊኒክ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ።

  1. ናይ ጥዕና ኣእምሮ ክሊኒክ፡ ገሸር

5 ጎደና ሃ- ራቢ ሚ-ባኽራኽ፡ ቴል ኣቪቭ

ናይ ጥዕና ኣእምሮ ሓገዝን ምኽሪን፡ ንጭንቀትን ጸገማት ኣእምሮ ንዘጋጠሞም ሓተትቲ ዑቅባ ስነ ኣእምⶂዊ ሕክምናን ምኽሪን።

ሰዓታት፡ ሰንበት፡ ሰሉስ፡ ሓሙስ፡ ሰዓት 3 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 6 ናይ ምሸት

ቴሌፎን፡ 03-5151106, 03- 5151125 (ሰንበት ክሳብ ሓሙስ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 3 ናይ ድሕሪ ቀትሪ።)03- 5151097 (ሰንበት፡ ሰሉስ፡ ሓሙስ። ካብ ሰዓት 3 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 6 ናይ ምሸት።)

 

  1. ተረምናይ ስደተኛታት ክሊኒክ

ቴል ኣቪቭ፡ ማእከላይ እንዳ ኣዉቶቡስ (ቴኻና መርካዚት)፡ 4ይ ደርቢ።

ሰዓታት፡ ምሉእ ሰሙን ክፉት እዩ።

ንናይ ስነ ኣእምሮ ሕክምና ወይ ምኽሪ፡ ሶኒይ፡ ሰሉስ፡ ረቡዕ፡ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት። ቴሌፎን፡ 073-2255390

 

ኣብዚ ውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፡-

  • ኣሳፍ ንስደተኛታትን ሓተትቲ  ዑቕባን ሓገዝ ዝህብ ትካል ኣብ እስራኤል
    • ጎደና ጎሎምብ ቴል ኣቪቭ
  1. ሰዓታት ስራሕ፡ ሰንበትን ረቡዕን ካብ ሰዓት 4:00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ  ስጋብ ሰዓት 8:00 ናይ ምሸት

( ቅድሚ ሰዓት 3:30 ኣብ መእተዊ ክትምዝገንላቦ)

  1. ናይ ጉሩብ (ጉጅለ)ደገፍ ንግዳያት ግፍዒ
  2. ናይ ጉሩብ (ጉጅለ)ደገፍ ስንክልና ዘለዎም ሰባት
  3. ናይ ጉሩብ (ጉጅለ)ደገፍ መጻምዲ (በዓል ቤት) ንዘይብለን  ደቂ ኣንስትዮ ከም ኡ ውን ዘቤታዊ ጎነጽ (ዓመጽ) ንዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮ

ንተወሳኺ ሓበሬታ  ኣብ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ምጹ ውይ ብ፡ 072-2513838 ተወከሱና

ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ንዝነብሩ ስደተኛታት:-

 

  • ሲሚ’   ዓለምለኸ ናይ ስደተኛታት መተሓባበሪ ማእኸል

በኤርሸቫ (ነባር ከተማ)

ዝኽፈተሉ ግዜ: ሰኑይ ካብ ሰዓት 17:30 ሰጋብ 20:00

ንቁጽሪ ጎደንን ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታን   050-6565505  ተወከሱና

 

ኤላት

149 (ኣብ ጥቓ  መዕቖቢ ስደተኛታት  ይርከብ )

ዝኽፈተሉ ግዜ: ኣብ ቀዳመይቲ  ሰንበት ናይ ወርሒ 17:30 – 20:00

ንተወሳኺ ሓበሬታን ንኻልእ ግዜ ቆጸራ ንመሓዝን ብስልኪ ቑጽሪ 053-9283134 ተወከሱና።

 

 

ኣብ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ክመጹ ዘይኽእሉ ተዛረብቲ ትግሪኛ

ናብ ሲሚ ሆትላን  1700-707-889

ብምድዋል መልእኽቲ ክትገድፉ ትኽእሉ ኢኹም

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ደዊልና ከንምልሰልኩም ኢና።

 

ኣብ ናይ ህጹጽ ኩነታት እዋን፡ ናብ ናይ ኢመርጀንሲ (ህጹጽ ሓገዝ) ናይ ምኻድ መሰል ኣለካ።

ኣብ እንዳ ኢመርጀንሲ (ህጹጽ ሓገዝ) ነቲ ናይ ስነ ኣእምሮ ክኢላ (ሓኪም) ከትርእዮ ምሕታት ይከኣል። ሳይክያትሪ፡ ንናይ ኣእምሮ ጥዕና ዝምልከት ክፋል ናይ ሕክምና እዩ።

ናብ እንዳ ኢመርጀንሲ (ህጹጽ ሓገዝ) ክፍሊ፡ ህጹጽ ናይ ሕክምና ኩነታት ከጋጥም ከሎ ክትከይድ ኣለካ። ናይ ስነ ኣእምሯዊ ነዉጺ'ዉን ከም ህጹጽ ናይ ሕክምና ኩነታት ክሕሰብ ይከኣል'ዩ። ህጹጽ ናይ ሕክምና ኩነታት ከመይ እዩ? ብመሰረት ሕጊ፡ ህጹጽ ናይ ሕክምና ኩነታት ናይ ሓደ ሰብ ሂወት ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ከሎ፡ ወይ እቲ ሰብ እንተደኣ ቀልጢፉ ናይ ሕክምና ሓገዝ እንተዘይረኺቡ፡ ነባሪ ማህሰይቲ ወይ ስንክልና ከጋጥም ተኽእሎ እንከሎ።

ኣብ ሆስፒታል፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ክኢላ (ሓኪም) እቲ ጉድኣት ቅጽበታዊ ድዩ ወይ ኣይኮነን ይዉስን። እቲ ሕሙም ወይ ድማ ተቀባሊ ጋሻ ነዚ ክዉስኑ ኣይክእሉን እዮም። ናይ ስነ ኣእምሮ ክኢላ ሓኪም እቲ ሰብ ቅጽበታዊ ናይ ሕክምና ሓገዝ የድልዮ ኢሉ እንተወሲኑ፡ ሆስፒታል ብነጻ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክሕክመካ እዩ። ናይ ስነ ኣእምሮ ክኢላ ሓኪም እቲ ሕሙም ናብ ሳይኪያትሪ (ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና) ሆስፒታል  ምእታዉ የድልዮ'ድዩ ኣይድልዮን ክዉስን ይኽእል እዩ።

ናብ ናይ ሳይኪያትሪ (ስነኣእምሮኣዊ) ሕክምና ሆስፒታል ምእታዉ

ምሉእ ናብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና ሆስፒታል ምእታዉ ኣብ 2 ይኽፈል።

  1. ወለንታዊ፡ ብፍቃድ ናይቲ ሕሙም ይካየድ። እቲ ሕሙም ባዕሉ ናብ ናይ ሳይኪያትሪ (ስነ-ኣእምሮኣዊ) ሕክምና ሆስፒታል ክኣቱ ድሉውን ፍቃደኛን ከም ዝኾነ ብክታሙ የመልክት።
  2. ዘይወለንታዊ፡ ብመሰረት ሕጊ፡ ኣንጻር ፍቃድ ሕሙም፡ ድሕሪ ናይ ሕክምና መርመራ፡ እቲ ናይ ቲ ከባቢ ሳይኪያትሪስት(ሓኪም ስነ-ኣእምሮ) ንሕሙም ናብ ሳይኪያትሪ (ስነ-ኣእምሮኣዊ) ሆስፒታል ንኸአቱ ትእዛዝ እንተጽሐፉ ።እዚ እቲ ናይ ቲ ከባቢ ሳይኪያትሪስት(ሓኪም ስነ፡ኣእምሮ) ንሕሙም ፡

ንገዛእ ርእሱን ንኸባቢኡን ኣብ ሓደጋ ዝእቱ ኢሉ ምስ ዝሓስብ ኢዩ።

elit esse molestie consequat, vel illum dolore eu feugiat nulla facilisis at vero eros et accumsan et iusto odio dignissim

ኣዋጃት

ንምልክታት ኮሮና ከም ረስኒ፡ሳዓልን ካሎኦት ምልክታት ስርዓተ ምስትንፋስን ክንካታተልን ክነስተውዕልን ኣለና።ምናልባት ምልክታት ምስ ዝህሉ ናብ ማዳ ብሉሙድ ኣጻዋዋዓ ኣምቡላንስ ብምድዋል ክንሕብርን ክንማኽርን ንኽአል።
ሓኪም ክላኣኸልካን ዘይክላኣኸልካን ውሳኔ ናይ ማዳ አዩ።ድሕሪ መርመራ ኮሮና ከም ዝሓመምካ ምስ ዝፍለጥ ናብ ሕክምና ክወስዱኻን ዘይክወስዱኻን ናቶም ውሳኔ ይኸውን፡ባዕልኻ ናብ ሕክምና ኣይክየድን። ሕሙም ሕዱር ሕማም ከም ሕማም ሽኮር፡ጸቕጢ ደም፡ኣዝማ፡ካንሰር ወይ HIV ንማዳ ክትሕብሮም ኣለካ
ሓኪም ክላኣኸልካን ዘይክላኣኸልካን ውሳኔ ናይ ማዳ አዩ።ድሕሪ መርመራ ኮሮና ከም ዝሓመምካ ምስ ዝፍለጥ ናብ ሕክምና ክወስዱኻን ዘይክወስዱኻን ናቶም ውሳኔ ይኸውን፡ባዕልኻ ናብ ሕክምና ኣይክየድን። ሕሙም ሕዱር ሕማም ከም ሕማም ሽኮር፡ጸቕጢ ደም፡ኣዝማ፡ካንሰር ወይ ንማዳ ክትሕብሮም ኣለካ

ናይ ኤለክትሪክ ብሽክለታ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክን

ኣገዳሲ ሓበሬታ ስለ ዝኾነ ተገዲስኩም ኣንብብዎ፤፤ ካብ ዕለት 1.7.19  ንደሓር  ዘሎ ጊዜ መንጊስቲ እስራኤል ብዘውጽኦ መሰረት ሓድሽ ሕጊ እቶም ኤለትሪክ ባይስክልን ስኩተርን ትሽከርከርቲ ሞተር ትጥቀሙ ሰባት ብዘይ ማንጃ ፍቃድ ክልኩል ምኻኑን ነዘን ተሽከርከርቲ ንምጥቃም ድማ ሕጋዊ ማንጃ ፍቃድ ዘለዎ ወይ መርመራን ፈተናን ሓሊፉ ፍሉይ ፍቓድ ክቕበል ክኽእል ኣለዎ።

ሕማቕ ዕድል፡ ኣብ እስራኤል 2a5 ወይ B1 ቪዛ ዝሓዙ ሓተትቲ ዕቕባ ነቲ ስነ ሓሳብ ናይ መርመራ ክወስድዎን ማንጃ ፍቓድ ናይ ምዝዋር ክሕዙን ኣይፍቀዶምን እዩ። እዚ ማለት ድማ ሓተትቲ ዕቕባ ኤለትሪካዊ ብሽክለታን ሞተረ ዘለወን ስኩተርን ክትዝውሩ ኣይፍቀደኩምን እዩ። እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕልን መቕጻዕቲ ድማ ከቢድ ክኸውንን እዩ።

ዝኾነ ብዘይ ፍቓድ ክዝውር ዝተረኽበ ትሕቲ ዕድመ ብምጥቕላል ናይ 10,000 ሽክል መቕጻዕቲ ክቕበል እዩ።

ሰብኣዊ መሰል ትካል ሓተትቲ ዕቕባ ፍሉይ ፍቓድ ንኽሕዝ ፍሉይ መርመራ ገይሮም ኤለትሪካዊ ብሽክለታን ሞተረ ዘለወን ስኩተርን ክትዝውሩ ክፍቀደሎምን ንፍትኖ ዘለና እኳ እንተኾነ፡ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ዝኽእል ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ክውሰድ ዘድልዮን እዩ። ዝኾነ ምልውዋጥ እንተኣጋጢሙ ድማ ብርግጽ ሓበሬታ ከነውጽእ ኢና።

ካብ ጽባሕ ኤለትሪካዊ ብሽክለታን ሞተረ ዘለወን ስኩተርን ብዘይ ፍቓድ ናይ ምዝዋር ዘይሕጋዊ እዩ

ቆልዑ ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ሃገረ እስራኤል ቅድመ – ትምህርትን መባእታዊ ደረጃ ትምህርትን

 ጸብጻብ ናይ’ዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዝሕብሮ፣ ቀረባትን ፡ብድሆታታን ቆልዑ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ  ቅድመ ትምህርን(ጋን) መባእታዊ ደረጃ ትምህርትን ነቶም ብምምሕዳር ከተማን ምኒስትሪ ትምህርቲ እናትመወሉ ዝካየዱ እዩ፡፡

 

ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዘሎ ሓበሬታ ብመሰረት ምስ መምሃራን፡ ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣንን ምስ ቆልዑ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ዝሰርሑ ሰብ ማያን ዝተገብረ ቃለ ምልልስ( ቃለ መጠይቕ)  ኮይኑ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ዘተኮረ እዩ።

እዚ ጸብጻብ ዝጸሓፉ ኣካልት ወይ ትካላት ድማ ፦

*ትካል ኣሳፍ(ASSAF-Aid Organization for Asylum seekers in Israel)

*ቤት ንባብ ጋርደን(ብልሙድ ኣጸወዋዓ ቤት ንባብ እንዳ ሳዕሪ) Garden library፡፡

 

ኣስታት 30,000 ዝኾኑ ካብ ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ዝመጹ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ይነብሩ ኣለዉ፡፡ ክሳብ 2018  ኣከባቢ 14,000 ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቴል ኣቪቭ – ጃፋ ይነብሩ፡፡ብቐንዱ ድማ ኣብ ነቨ ሻናን፡ ሃቲክቫን ሻፒራን ዝበሃሉ ክፋላት ቴል- ኣቪቭ ከተማ ይነብሩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣስታት 2500 ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ፒታኽ ቲክቫ፡ ብተወስኺ ድማ ውሑድ ዝቑጽሮም ኣካላት ናይ’ዚ ሕብረተሰብ ኣብ ነታንያ፡ኣራድ፡ኤላት፡ብነይ ብራክን ኢዮሩሳሌምን ይነብሩ፡፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት ድማ ካብ ዓሰርተታት ክሳብ ኣማኢት ቁጽሪ ዘለዎም ሓተቲ ዑቕባ ይነብር፡፡

 

ክሳብ መወዳእታ ናይ 2018 ኣብ እስራኤል ብግምት 10,000 ዝኾኑ ካብ ሓተቲ ዑቕባን ናይ ስራሕ ስድተኛታት ዝተወልዱ ቆልዑ ይነብሩ፡፡መብዛሕቲኦም ካብዚኦም ድማ ኣብ እስራኤል ዝተወልዱ ዕድሚኦም ድማ ካብ 10 ዓመት ንታሕቲ እዩ፡፡ ብገምጋም 7000 ካብዞም ትሕቲ ዕድመ ቀልዑ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ናይ ቴል ኣቪቭ ይነብሩ፡፡ ኣብ እስራኤል ኩሎም ቆልዑት ድሕረ ባይትኦም ብዘይገድስ  ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ናይታ ሃገር ብዘይኣፈላላይ ምስ እስራኤላውያን ቆልዑ ክመሃሩ ምሉእ መሰል ኣለዎም፡፡ መብዛሕትኦም ቆልዑ ብመኽንያት ሕጊ ዘፍቅዶ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ዝመሃሩ እኳ እንተኾኑ፡ እቶም ዝመሃሩ ቆልዑ፡ ወለዶም፡ ኣብ ቤተምህርቲ ዝከታተልዎም ሰብ ሞያን(መምሃራን፡ካየድቲ ስርዓተ ትምህርቲ) ኣዝዮም ከበድቲ ብድሆታታ ከምዘጋጥሞም ብሩህ እዩ፡፡

 

 መስርሒ ፍቓድ ዘይብሎም (ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾኑ)  መውዓሊ ህጻናት( ካብ 0 ክሳብ 3 ዝዕድሚኦም) “ብመኽዘን ቆልዑ ዝፍለጥ”

 

ቅድሚ ቅድመ-ትምህርቲ ምጅማሮም  3 ዓመት ዝዕድሚኦም  ብዙሓት ቆልዑ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ናይ መስርሒ ፍቃድ ዘይብሎም  “ብመውዓሊ ህጻናት” ዝፍለጡ ወይ ድማ “ መኽዘን ቆልዑ” ይጽንበሩ ወይ ይእለዩ፡፡ እቶም ኣብተን ትካላት ዝሰርሓ/ ዝሰርሑ ወይ ድማ ቆልዑ ዝኣልያ/ ዝኣልዩ ኣብ ኣተኣላልያ ቆልዑ ይኹን ስርዓተ ትምህርቲ ዝኾነ ስልጠና ይኹን መስርሒ ፍቓድ ዘይብሎምን እዮም፡፡ መብዛሕትኦም ቆልዑ ኣብቲ መዓልታዊ መውዓሊኦም ንነዊሕ ሰዓታት ይጸንሑ፡፡ መብዛሕትኡ እዋን ድማ ኣብ ኣዝዩ ብዝሒ ህጻናት ዘለውዎን ብሓንቲ/ ሓደ ኣላዪን ይእለዩ፡፡ ኣብ ደገ ወጺኦም ክጻወትሉ ዝኽእሉ ቦታ ስለዘይረኽቡ ኣብ ደገ ወጺኦም ከይተጻወቱ ግዚኦም ይሕልፍዎ፡ ከምውጽኢቱ ድማ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ዓራት ደቂሶም ጸሓይ የዕርብዎ፡፡ ኣብ ኣጋ ምሸት ድማ ኣብ’ቲ  ብምምሕዳር ከተማ ዝምወል መውዓሊ ህጻናት(ጋን) ዝወዓሉ ይሕወስዎም ፡፡ እቶም ኣብቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝምወል መውዓሊ ህጻናት(ጋን) ዝወዓሉ  ኣብቲ ዝውዓልዎ ዝወሃብ ቅድመ ትምህርቲ ክሳተፉ ዘይከኣሉሉ ቀንዲ መኽንያት  ቁጠባዊ ጸገም፡ ወይ ድማ ኣብቲ ዝወዓልዎ ቅድመ ትምህርቲ ክረኽብሉ ዝኽእሉ መደባት ብዘይምህላዉ እዩ፡፡ እዚ ጸገም ድማ ቁጽሪ ናብቶም መኽዘን ቆልዑ ዝኸዱ ብዝሒ የግድዶን ከምዝኸብድ ይገብሮን፡፡

 ብቴል-ኣቪቭ ዩኒቨርስቲ (ብቤት ትምህርቲ  ስነ- ኣእምሮ)  ዝተገብረ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ “ ውጽኢት ናይ ዝተናውሐ ኣብ መገልገሊታት ምጽናሕ እቶም ዘጋጥሙ ጉድለታት ኣዝዮም ከበድትን፡ ከም ሳዕቤናቶም ድማ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ኣብ ዕቤት ሃጻናት ዓቢ ጉድኣት ከምዘውርዱ ዝሕብር እዩ፡፡ ማዕረ ማዕረ ምስቲ ኣብ ስርዓተ ዕብየቶም ዘውርዶ ጉድኣት ድማ፡ ህጻውንቲ ናብ መኽዘን ቆልዑ ምስዳድ ብዓቢኡ ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ይእትዎ፡፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ብመኽንያት ኣብቲ ኣብዘን ወሃብቲ ኣገልግሎት( መኽዘን ቆልዑ) ዘሎ ኩነታትን፡ ህጻውንቲ ግቡእ ኣገልጉሎት ብዘይምርካቦምን ውሑዳት ዘይኮኑ ቆልዑ ሂወቶም ስኢኖም ይርከቡ፡፡

እዚ ሞት ናይዞም ህጻውንቲ ዘስዓቦ ሓደገኛን ኣሰንባድን ኩነታት፡ ኣብ 2015 መንግስቲ እስራኤል ብጠቕላላ ናይ 14,000,000( ዓሰርተ ኣርባዕተ ሚልዮን ሸከል)ንኣርባዕተ ዓመት ዝኸይድ ቁጽጽር ዝግበረሎም ሕጋውያን መውዓሊ ህጻናት መተካእታ ናይቶም ዘይሕጋውያን መውዓሊ ህጻናት ክምስረቱ(ክትከሉ) ወሲኑ፡፡ ክሳብ ሰነ 2019 4(ኣርባዕተ)ቁጽጽር ዝግበረሎም ሕጋውያን መውዓሊ ህጻናት ኣብ ቴል- ኣቪቭ ተመስሪቶም፡፡ እዞም ዝተመስረቱ  4 ትካላት ድማ ን600 ህጻናት ጥራይ ኣገልጉሎት ይህቡ፡፡ስለዝኾነ ድማ፣ መብዛሕትኦም ቆልዑ ክሳብ ሕጂ ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊ መውዓሊ ቆልዑ ዝእልዩ ዘለዉ፡፡ ብዘለና ኣፍልጦ ድማ እቲ ብመንግስቲ ዝተሰልዐ ባጀት ኩሉ ኣብ ጥቕሚ ከምዘይወዓለ እዩ፡፡

ብድሆታት ኣብ’ቲ መንግስታዊ  ስርዓተ ትምህርቲ፡ ቅድመ-ትምህርትን ናይ መባእታ ደረጃ ቤት ትምህርትን

ቆልዑ ዕድሚኦም ሰለስተ ዓመት ምስ ኣኸለ ኣብቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝእለ ቅድመ ትምህርቲ (ጋን) ክጽንበሩ መሰል ኣለዎም፡፡ ብዙሓት ቆልዑ ናይ ሓተቲ ዑቕባ  ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ደንጉዮም ይጅምሩ፡፡ ብማእከላይ ገምጋም ካብቶም ከምኦም ሓደ ዝዕድሚኦም እስራኤላውያን ቆልዑ ክልተ ወላ’ውን ሰለስተ(3) ዓመት ድሒሮም ይጅምሩ፡፡ ዓቢ ሳዕቤን ናይዚ ድማ ግዚኦም ኣብ ዘይሕጋውያን መውዓሊ ቖልዑ  ይሕልፍዎ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ብዙሓት መዳያት ከበድቲ ጸገማት የርእዩ፡ ገለ ካብኡ ኣብ መባእታዊ ወይ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ምስታፍ ይሽገሩ ( ንኣብነት መብዛሕትኦም ርሳስ ወይ ፒሮ ምሓዝ፡ ወይ ድማ ኣዝዮም ቀለልቲ ዝኾኑ ናይ ቆልዑ ጸወታ ኣብ ምስታፍ )፣ ኣብ ናይ ቋንቋ ዕቤቶም ይድንጉዩ፡ ናይዚ ቀሊል ኣብነት ድማ  ምስ ስድራቤቶም፡ መምሃራኖም ክራዳድኡ ወይ ሓሳብቶም ክገልጹ ስለዘይክእሉ ዓቢ ናይ ባህሪ ጸገም ይፈጥሩ፡፡

 

ናይ ቅድመ-ትምህርትን ናይ መባእታ ደረጃን መምሃራን ፡እዞም ቆልዑ ቀዳማይ ደራጃ ኣብ ዝጅምርሉ እዋን ትምህርቲ ክጅምሩ ድሉዋት ኣይኮኑን ይብሉ ( እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ከጀምሮም ዝኽእል ድልውነት ኣየማልኡን)፡፡ መብዛሕትኦም እቶም ህጻናት ኣብ ክፍሊ ኮፍ ናይ ዘይምባል ጸገማት፡ ምስ ግሩፕ ሓቢሮም ክሰርሑ ዘይምኽኣል፡ ናይ ኢቭራይስጥ ፊደላት ከለልይዎም ዘይምኽኣል፡ ካብ 1 ክሳብ 10 ክቖጽሩ ዘይምኽኣልን ብርዒ(ርሳስ/ፒሮ) ብግቡእ ክሕዙ ዘይምኽኣልን ካልኦትን፡፡ ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዝዩ ውሕድ ወይ ውሱን ኣፍልጦ ናይ ቃላት  ኣለዎም፡ ምስ ኣብ ናቶም ዕድመ ዘለዉ እስራኤላውያን ቆልዑ ፍልጠቶም ክወዳደር እንከሎ ድማ ኣዝዩ ትሑት እዩ፡፡ እዚ ጸጋማት እዚ ዘበገሶ ጠንቅታት ድማ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ብስጭት ድሕሪ ምሕዳሩ ተመሃሮ ቆልዑ ኣብ’ቲ ናይ ትምህርቲ መስርሕ ተስፋ ከምዝቖርጹን ካብኡ ሓሊፉ እዉን ተመሃሮ ቆልዑ ናይ ሕርቃንን ጎነጽን (ምትህርራም፡ሓይሊ ዝተሓወሶ) የንጸባርቑ፡፡ መብዛሕትኦም ቆልዑ ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ኣይርከቡን ብዙሕ ማዓልታት ድማ የብኩሩ፡፡

ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ዝሳተፉ ኣካላት፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፋትን ሕጽረታታን ምምላእ፡ ናይ ባህሪ ጸገማት ከመሓይሹ ኣብ ምሕጋዝ፡ ኣብ ዝገብርዎ ናይ መጽናዕቲ መደባት ንቆልዑ ሓተቲ ዑቕባ ብዝርደኦምን ብዝጥዕሞምን ኣብ ምድላው ኣበርቲምዖ ይሰርሑ፡፡ ነዚ ክገብሩ ድማ ናይ ቀረባት ሕጽረት ጸገም የጋጥሞም፡፡ ገለ ገለ ቤት ትምህርትታት ካብ ገብረቲ ሰናይ ነቲ ዘጋጥመን ሃጓፍ ንምሽፋን ሓገዝ ይሓታ፡፡ እቲ ዝሓተትኦ ሓገዝ ድማ ናይ ቋንቋ ምትርጓምን ኣብ ቆልዑ ሓተቲ ዑቕባ ዝራኣዩ ጸገማት ኣብ ምልላይን ኣዝዩ ሓገዝ ዘድልዮም ድማ ኣብ ምሕጋዝ የውዕልኦ፡፡

 

ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ህጻናት

እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ኣብ ቆልዑ ዝርአ ስምዒታውያንን ናይ ክረዳደኡ ዘይምኽኣል ፡ዝሕታለ ናይ ዕብየት፡ ናይ ባህሪ ጸገማት ዘጽንዑ ዓቢ ቁጽሪ ዘለዎም ናይቲ ዓውዲ ሰብ ሞያ (ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ) የድሊ፡፡ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ እሞ ኽኣ መድሕን ናይ ጥዕና ምስ ዝህልዎም ኣብ ጨንፈር ዕብየት ቆልዑ ኣካል ናይቲ ናይ ጥዕና ትካል(ኩፓት ኾሊም) ዘድሊ መርመራ ክግበረሎም ምሉእ መሰል ኣለዎም፡፡ ቆልዑ ልዕሊ 5 ዝዕድሚኦም  መድሕን ናይ ጥዕና ዘይብሎም እውን እንተኾኑ ብናይ  ስነ-ኣእምሮዊ ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎት (EPS) ዘድሊ መርመራ (ሓገዝ) ክግበረሎም ይኽእል፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቆልዑ ትሕቲ 5 ዝዕድሚኦም መድሕን ናይ ጥዕና ስለዘይብሎም ዘድሊ መርመራ (ምክትታል) ኣይረኽቡን፡፡ በዚ መኽንያት ድማ ኣብ ግዚኡ ዘድልዮም ሓገዝ ኣይረኽቡን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ’ቲ ንዕኦም ዝጥዕምን ዝሰማማዕን ቅድመ ትምህርቲ ማእከላት ክጽንበሩ ዕድል ኣይረኽቡን፡፡

 እቶም ኣብ’ቲ እኹል ዕድመ ናይ ትምህርቲ ምጅማር ዝበጽሑ ቆልዑ፡ እሞ መድሕን ናይ ጥዕና ዘይብሎም ስነ-ኣእምሮዊ ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎት(EPS) ነቲ ዘጋጥሞም ጠለብ ናይ ምክትታል ሓገዝ ዘድልዮም ብዝሒ ቆልዑ ንምምላእ ይሽገሩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ኣዝዮም ውሑዳት ቆልዑ ናይ ምክትታል ሓገዝ ይረኽቡ፡፡ብዘሎ ሕጽረት ቀረባት፡ ወላ እቶም ምክትታል ዝተገብረሎም ቆልዑ እውን እቲ ንዕኦም ዘድልዮም ዝተፈላለየ ሓገዛት ከይረኸቡ ይተርፉ፡፡ ገለ ካብኣቶም ውልቃዊ ሓገዝ፡ተውሳኺ ትምህርቲ፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ፍወሳ ወይ ድማ እርማት ኣመሃህራ ዝኣመሰሉን እዮም፡፡ ናይቲ ዓውዲ ክኢላታት ከምዝሕብርዎ ድማ እቲ ንዕኦም ንምክትታል(ንመርመራ) ዝዳለዉ ኣገባባት ኩሉ ግዜ ኣድማዒ ወይ ድማ ልክዕ ዘይምዃኑ እዩ፡፡ ናይዚ መኽንያት ድማ እቲ ኣብ ባይታ ዝጸንሐ ፍሉይ ንመጽናዕቲ ዝሕግዝ ኣገባብ ምስ ሕብረትሰብ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ዘይሰማማዕ  ወይ ዘይቃዶ ምዃኑ ( ንዕኦም ኢሉ ዝተዳለወ ዘይምዃኑ) እዩ፡፡

ሓደ ቆልዓ ሓገዝ ከምዘድልዮ ምስ ተለለየ፡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ኣካላት ( ሰራሕተኛታት) ብዛዕባ ነቲ ቆልዓ ዘድልዮ ናይ ሓገዝ መስርሓት ምስ ስድራ ቤት ናይቲ ቆልዓ ክረዳድኡ ብዙሕ ይሽገሩ፡፡ ከም ተውሳኺ ድማ እቶም ሓገዝ (ምክትታል) ዘድልዮም ቆልዑ ወይ ተመሃሮ “ውሁድ ዝኮነ ናይ ኣፈዋውሳ ሓገዝ” ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ከተማ ዝወሃብ ብምዃኑ፡ ወለዲ ናይቶም ቆልዑ ድማ ብዘለዎም ርኡይን ርዱእን ብመኽንያት ስራሕ ናይ ግዜ ሕጽረት፡ ፋይናንስያዊ ጸገማትን ቆልዑ እቲ ክረኽብዎ ዝግብኦም ጥዕናኣዊ ሓገዛት ከይረኸብዎ ይተርፉ፡፡

ክትግበሩ ዘለዎም ነገራት

 

1 ) ካብ ሓተቲ ዑቕባ ዝውለዱ ቆልዑ ምስ እስራኤላውያን ቆልዑ ናይ ግድን ሓቢሮም ክመሃሩ ኣለዎም፡፡

ብምኽንያት ዘርኢ፡ ሕብሪ ቆርበት፡ መበቆላኣዊ ዓሌትን ዜግነት/መንነት ምፍላይ ቆልዑ ኣብ ትምህርትን ቅድሚ ትምህርትን ኣብ እስራኤል ሕጋዊ ኣይኮነን፡ ግን ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ቆልዑ ናይ ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤላውያን ቆልዑ ምፍላይ ኣብ ትምህርቲ ኮነ ንዕኦም ዝመስሉ ጉዳያት ህልው እዩ፡፡ ምፍላይ ቆልዑ ኣብ ዕብየቶም ኣዝዩ ከቢድ ሃስያ የስዕብ ፡፡

በዚ መኽንያት እዚ፡ ካብ ሓተቲ ዑቕባ ዝውለዱ ቆልዑ ምስ እስራኤላውያን ቆልዑ  እቲ ዘድልዮም ሓገዝ እንዳሃብካን ተሪፍዎም ዘሎ እንዳመላእካን ናይ ግድን ሓቢሮም ኣብ ሓደ ክፍሊ ክመሃሩ ኣለዎም፡፡

2)  ኣለይቲ ቆልዑ ጥቡቕ ቁጽጽር ክግበረሎም/ክግበረለን ኣለዎ፡፡

እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ናይ ግድን ነቲ መውዓሊ ህጻናት ዝእለዩሉ ቦታ ውሕስነቱ፡ጥዕንኡ ዝሓለወ፡ ንዕብየት ቖልዑ ዝምችእ ኩነተት ዘማልአ ምዃኑ ምክትታል ክግበረሉ ኣለዎ፡፡ ዘይውሕስ መውዓሊ ቆልዑ ድማ ክዑጾ ኣለዎ፡፡

3 ) ኣብ መንጎ ወለዲን መምሃራንን ጥቡቕ ርክብን ፡ ሓብሬታን ክህሉ ኣለዎ፡፡

ኣብ ስርዓተ ምምህርና ተዋፊሮም ዘለዉ ኣካላት ምስ ወለዲ ብንጹር ንቆልዑ ዘድልዮም ጠለባትን ሓገዛትን መታን ብግቡእ ክረዳዳኡ ናይ ግድን ናይ ምትርጓም ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣለዎም፡፡ ኣብዚ ግዜ እዚ መምሃራን ንወለዲ ብዛዕባ ኩነታት ደቆም ክሕብርዎምን ፡ ከፍልጥዎምን፡ ንደቆም ዝምልከት ወረቓቕቲ ከፈርምዎምን ኣዝዮም ይሽገሩ ኣለዉ፡፡  ከምኡ እውን ወለዲ ደቆም እንታይ የድልዮም ክርድኡ ይኹን ካብኦም ዝድለ ጠለባት ዝማላእ  እንታይ ምዃኑ ስለዘይርድኡ፡ ብዛዕባ ኩነታት ደቆም ኣብ ትምህርታዊ መዳይ ዛሕቲሎም ወይ ጽቡቕ ኣለዉ ምሉእ ኣፍልጦ ኣይህልዎምን፡፡

4 ) ኣለይቲ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ዘለዉ ፍሉይ ስልጠና የድልዮም

ቅድመ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ተመዲቦም ዝሰርሑ ዘለዉ መምሃራን ስሩዕ ስልጠና ብዛዕባ ወጻእተኛታት የድልዮም ኣሎ፡፡ እዚ  ማለት ሓድሽ ባህሊ፡ቋንቋ፡ ፍሉያት ባህርያት፡ ድሌታት ቆልዑ ብግቡእ ምፍላጥን የጠቓልል፡፡

5) ቅድመ ትምህርትን ምዱብ ትምህርትን ምድልዳልን ተወሰኽቲ ቀረባትን የድልዮም፡፡

ብምኽንያት ንካብ ሓተቲ ዑቕባ ዝውለዱ ቆልዑ ዘጋጥሞም ብዙሓት ብድሆታት፡ እቶም ንዕኦም ዘገልግሉ ቤት ትምህርትን ቅድመ- ትምህርትን ክሕይሉን(ክድልድሉ) ተወሳኺ ቀረባትን ሓገዛትን ክወሃቦም ኣለዎ፡፡ ህጹጽ ናይ ምትርጓምን ናይ ማእከልነትን ጠለብ(ተደላይነት)፡ ፍሉይ ስልጠና ነቶም ኣለይቶምን ንጎኒ ገዲፍካ፡ ተወሰኽቲ መምሃራን ክቑጸሩን ኣብ ክፍሊ ክርከቡን፡ ብፍላይ ብፍላይ ኣብ ፍሉይ ኣተኩሮ ዘድልዮም ክፍልታት ምንባብን ምጽሓፍን ቋንቋ ኢብራይስጥ እዚ ማለት ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ኢቭራይስጥ ዘተኮረ፡፡

ስድራቤት ክገብርዎም ዘለዎም ነገራት

 

1 ኣብ መውዓሊ ቆልዑ ዘጋጥም ነገራት ብጥቡቕ ምቁጽጻርን ምክትታልን

ውላድካ/ውላድኪ ናብ መውዓሊ ህጻናት(ቆልዑ) ዝኸይድ እንተኾይኑ፡ ኩሉ ግዜ እቲ እቶም ቆልዑ ዝጥቀምሉ መሳለጥያ ውሕሰነቱ ፡ እቶም ህጻውንቲ ስሩዕ ዝኾነ ኣካይዳ ከም ኣብ ደገ ምጽዋት፡ጥዑይ ኣመጋግባን ቀጻልነት ዘለዎ ንዕብየቶም ዝሕግዝ ምትብባዕ ዘለዎ ንጥፈታት ዘማልአ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምክትታል  ክትገብሩ ኣለኩም፡፡ እኹላት ኣለይትን እቶም ህጻውንቲ ድማ ኣከላዊ ዓመጽ(ማህረምትን ጸርፍን) ዘይበጽሖም ምዃኑ ኣረጋግጹ፡፡

2 ምስ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ንውላድካ/ኪ ዝምህሩ ተዛራረብ/ቢ

ብዝተኻእለ መጠን ምስ መምሃራን ናይቶም ህጻናት ርክብካ/ኪ ኣዕብን ተዛራረብን፡፡ እቲ/እታ ህጻን ኣብ እዋን ትምህርቲ ከመይ ከምዝወዓለ/ት ሕተት/ቲ፡፡ ጸገም ኣብ ዝፈጥርሉ ግዜ ድማ መዓስን፡ኣበይን፡ብኸመይን ምዃኑ ኣረጋግጽ፡ ኣብ ግዚኡ ድማ ቀልጢፍካ/ኪ ፍትሓዮ፡፡ነቲ መምህር ድማ ገጽ ንገጽ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ክትዘራረቦም ትኽእል፡፡

3 ውላድካ/ውላድኪ ኣብ ትምህርቲ ከመይ ይኸይድ ከምዘሎ ኣረጋግጽ/ጺ

ምስ ናይ ውላድካ መምህር ናይ ቤት ትምህርቲ ክትዛራረብ ፈትንን ኣብ ክፍሊ ዝገብርዎ ተሳትፎን ብዝተኻእለ ድማ ንዝተዋህቦም ናይ ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ፍለጥ፡፡ ምስ ናይ ሓላፊ ክፍሊ መምህሮም ወይ ናይ ቤት ትምህርቲ ዳይሬክተር ከም ኣገዳስነቱ ክትዘራረብ ትኽእል፡፡

4 ውላድካ/ኪ ኣብ ምዱብ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምዝርከብ ኣረጋግጽ/ጺ

ኣብ ሃገረ እስራኤል ንዉሉድካ ኣብቲ ምዱብ ግዜ  ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይምስዳድ ኣንጻር ሕጊ እዩ፡፡ ነቲ ቆልዓ ኮነ ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምዱብ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምርካብ ኮነ፡ብመሰመር ናይ ኢንተርነት ኣብ ዝወሃብ ትምህርቲ ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ንውላድካ/ኪ ናይ ትምህርቲ ልማድን ክህልዎን ጥዑይ ዝኾነ ናይ ኣመሃህራ ኣመል ከማዕብልን ይሕግዞ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቀጻሊ ምዕባለ፡ዓወት፡ዕብየት ናይቲ ህጻን ኣዝዩ ሓጋዚ  እዩ፡፡

5 ምስ ውላድካ/ኪ ተጻወትን ተዘራረብን

ምስ ውላድካ/ኪ ብቋንቋ ኣዲኡ ምዝርራብ ኣዝዩ ኣገድሲ እዩ፡፡ በዚ መንገዲ ድማ ውልድካ/ኪ ቋንቋ ኣዲኡ ይመልኽን ከምኡ ድማ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ቋንቋ ኢቭራይስጥ ይፈልጥ፡፡ ኩሉ ግዜ ንውላድካ/ኪ  ከመይ ከምዝወዓለ ሕተቶ/ታን ኣብ ግዚኡ ክፍታሕ ዝለዎ ነገር ድማ ፍትሓዮ፡፡ ብሓባር ምስ ውላድካ/ኪ ተጻወትን  ናይ ሓባር ንጥፈታት ድማ ኣካይድ፡፡

 

ASSAF (ኣሳፍ) ንስደተኛታትን ሓተቲ ዕቕባን ኣብ እስራኤል ረዲኤት ዝህብ ትካል

ኣብ 2007 ዓ.ም ተመስሪቱ፡፡ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ስነ ኣእምሮ ሓገዝ ክረኽቡ ኣብ ምግባርን መሰሎምን ናይ ዑቕባ ሕትኦምን ዝረኽብሉ መንገዲ ኣብ ምጥጣሕን ምስ መዚ ብምትሕብባር ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ፡፡

Adi Drori Avraham, Public Awareness and Advocacy Program Director at ASSAF, [email protected]

 

The Garden Library (ቤት ንባብ እንዳስዕሪ) ናይ ሕብረተሰብ ማእከል ትምህርቲ፡ባህልን ጥበባትን ኣብ ከባቢ ነቬ ሸናን ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ምንጣፍ ዝርከብ። ቤት ንባብ እንዳስዕሪ ክምስረት እንከሎ ባህልን ትምህርትን መሰረታዊ መሰል ወዲሰብ ምኹኑ ብምማንን ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ሕብረትሰብን ውልቀሰብን ዘሎ ፍልልይ ከምድልድል ኮይኑ ከራኽብን ቀጻልነት ዘለዎ ማሕበራዊ ለውጢ ከምጽእን ብዝብል እምነት እዩ ተመስሪቱ፡፡

Dafna Lichtman, CEO of The Garden Library, [email protected]

ሕጽረት ኣብ ትምህርታዊ ትካላት ንሓተትቲ ዕቕባ ኣብ ብኒ ብራክ

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኩነታት ቤት ትምህርትን መዋእል ህጻናትን ኣብ ከተማ ብኒ ብራክ ብዙሕ ጥርዓናት ተቐቢልና። ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ጉሓፋት ኣብ ዝህልወሉን ሽቓቓት ብግቡእ ምስ ዘይዕቀብን ክትምሃር ከቢድ ምኻኑ ንፈልጥ ኢና። ሕማቕ ዕድል ድማ እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ብኒ ብራክ ዘጋጥም ዘሎ እዩ።

ነዚ ኩነታት እዚ ንምቕያር፡ ንምምሕዳር ከተማ ብኒ ብራክ ብሓንሳብ ምስ መሻርኽቲ ትካላት – ውድብ ንሲቪላዊ መሰል ኣብ እስራኤልን ክሊኒክ ሕግን ትምህርታዊ ሕግን ዩኒቨርስቲ ሃይፋን ነዚ ኩነታት ክዕረ ብጽሕፍ ጠሊብና ኣለና።

ብድሕሪ እቲ ጠለብና እቲ ምምሓዳር ናብቲ ቤት ትምህርቲ መጺኡ እቲ ቤት ትምህርቲ ልክዕ ከም ካልእ ቤት ትምህርትታት ኣብቲ ከተማ ዝተዓቀበ ምኻኑ ግብረ መልሲ ሂቡ።

ሽሕ እኳ እቲ ምምሕዳር ዝኾነ ጸገም ከምዘየለ መብጻዓታት እንተሃበ፡ እቲ ሓቃዊ ኩነታት ከምኡ ከምዘይኮነ ሰሚዕና ኣለና፡ ስለዝኾነ ድማ ነቲ ጉዳይ ክንከታተሎ ክንቅጽል ኢና። 

 

ዘቕረብናዊ ጥርዓን ንምምሕዳር ከተማ ብኒ ብራክ ብትግርኛ ተተርጊሙ ኣብ ታሕቲ ሊንክ ኣለኩም።   

 

ዝኸበርኩም:
ሕጽረት ኣብ ትምህርታዊ ትካላት ንሓተትቲ ዕቕባ ኣብ ብኒ ብራክ
1. ድሕሪ ዓሰርተታት ወለዲ ሓተቲ ዕቕባ ደቆም ኣብ ኮመሚዩት ቤት ትምህርቲ ብኒ ብራክን ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ መዋእል
ህጻናትን ዝመሃሩ ደቆም ዘቕረብዎ ጥርዓናት፡ ምስ ባህሪ ትምህርታዊ ትካላት ዝገጥም ዕቃበን ቀረባትን ብህጹጽ ንምዕራዩ
ስጉምቲ ክትወስዱ ጥርዓና ነቐርብ። እዞም ዋሕዲ ቀረባት ኣብ ሞንጎ እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት
ትምህርትታትን መዋእል ህጻናትን ብወለዲ ዝተገብረ ተቓዎሞታት እዮም።

2. ብመሰረት ወለዲ፡ ኩነታት ዕቃበን ቀረባትን ኣብ ኮመሚዩት ቤት ትምህርትን መዋእል ህጻናትን ብጣዕሚ ድኹም
ምኻኑ እዩ። እቲ ህንጻን ናይ ስፖርት ሜዳን ብዕቃበ ዝተታሕዘ ኣይኮነን፡ እቲ ናይ ጉሓፍ መትሓዚ ኣብ ማእከል እቲ
ቀጽሪ ኮይኑን ብስሩዕ ጉሓፍ ከምዘይቅየርን፡ እቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝቐረበ መዋእል ህጻናት ድማ ተንቀሳቐሲ ህንጻን
ዘይድልዱልን ምኻኑ፡ ከባቢ እቲ ህንጻን ቀጽርን ነቲ መሰረታዊ ስርዓተ ትምህርቲ ዝጠልቦ ከምዘይ የማልእን ናብ ልዕሊ
ዓቐን ምዕልቕላቕ ተማህሮ ከም ዝመርሕን እዩ። ክብደትን ሓላፍነትን ዕቃበ ናይቲ ቤት ትምህርቲ መብዛሕቲኡ ኣብ
ልዕሊ ወለዲ ከምዝወድቕን ናይ ቅብኣ መስርሕ ብዘይ ደገፍ ባዕሎም ከም ዘካይዱን። እዝን ካልኦት ተመሰኽቲ ነገራትን
ከም ብተደጋጋምን ኣብ ግዜኡ ጓሓፍ ክቕየር ዘይምኽኣሉን ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ (ኣቪ ባይት) ኣብ ዝሓጸር ክቕጸር
ዘይምኽኣሉን ኣዝዩ ህጹጽ ይገብሮ።

3. ከምዝፍለጥ ህጻናት ሓተትቲ ዕቕባ ምስ እስራኤላውያን ቆልዑ ብምውድዳር ብ2 ወይ 3 ዓመት ካብ ትምህርታዊ ምዕባለ
ምድንጓይ እዮም ዝሳቐዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ብዙሓት ስነ ምምህርናን ምዕባለታትን ብድሆታት
ይገጥሞም። እዚ ኩነታት እዝን ካልኦት ነገራት ኣብ ሞንጎ ወለዲ ህጻናት ናይ ቤት ትምህርቲ ኮመሚዩትን ኣካያድቲ ቤት
ትምህርትን ዝተሓላለኸ ዝምድናን ዋሕዲ እምነት ወለዲ ህጻናት ኣብ ልዕሊ ኣካየድቲ ትምህርትን፡ ኣብ ልዕሊ ሚኒስትሪ
ትምህርትን፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ከተማን ኣስዕቡ ናብ ተቓውምነትን ሰላማዊ ሰልፍን ኣስዒቡ።

4. እኹል ዕቃበን ቀረብን ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ምምህርና ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ኣብ ዘይምቹእ ኣከባብን ዋሕዲ እኹል
ኣድህቦ ንትምህርታዊ ኣድላይነትን ትምህርታዊ ተሞክሮ ይጎድእን ስምዒት ናይ ዘይክብራዊ ይፈጥርን። ከምኡ እውን
ምምሕዳር እቲ ከተማ ግቡእ ትምህርታዊ መሰል ንኸቅርብ ኣብ ልዕሊኡ ዝተቐመጠ ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎ። ከምኡ እውን
ዋሕዲ ስሩዕን ግቡእን ክንክን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትምህርታዊ ትካላት ናይ ሓተትቲ ዕቕባ፡ ብሕጊ ኩልኩል መበቆል ወይ
ድሕረ ባይታ ዝገበረ ግለላ እዩ ዘላዕል።

5. ብመሰረት ተርእዮ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው፡ እቲ ኣብ ቤት ትምህርትን መዋእል ህጻናትን ዘሎ ኣካላውን ዕቃበን
ጉድለት ብቕጽበት ክዕረ ከም ዘድሊ ኣገዳሲ ምኻኑ ንጹር እዩ። ሓላፍነትን ግቡእነትን እቲ ምምሕዳር፡ ጽሬትን ግቡእ
ዕቃበን ናይ ትምህርታዊ ህንጻ ኣብቲ ከተማ ምቕራብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እምነትን ዝምድናን ምሕደራ ቤት ትምህርትን
ወለድን ክዕቅብ እውን ሕጋዊ ግዴታኡ እዩ።

6. ብመሰረት እዞም ህጹጻት ዘድልዩ ነገራት፡ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ክንሓትት ኢና።
ብኣኽብረት፡
ሃራን ሬችማን ተጣባቒ፡ ክሊኒክ ሕግን ትምህርታዊ ሕግን፡ ዩኒቨርስቲ ሃይፋ
ታል ሃሲን፡ ተጠባቒት፡ ውድብ ንሲቪላዊ መሰል ኣብ እስራኤል
ኦርሊ ለቪንሶን-ሴላ፡ ተጣባቒት፡ ደገፍ ትካል ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቕባን ኣብ እስራኤል

ኣጣቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ውሕስነት ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ንምዕቃብ ብኸመይ ብጥንቃቐን ምስትውዓልን ክንጥቀም ንኽእልን።

ኣጣቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ውሕስነት ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ንምዕቃብ ብኸመይ ብጥንቃቐን ምስትውዓልን ክንጥቀም ንኽእልን።

ቅድሚ ምጅማርና፡ እዚ ሓበሬታ እዚ ካብ ሰብ ሞያ፡ ኢንተርነትን ናይ ፌስቡክ ውሕስነት መምርሕን ዝተኣከበ ሓበሬታ ምኻኑ ክንጠቅሶ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ ካብ እንግሊዝ ናብ ትግርኛ ብኪኢላታት ተርጎምቲ ዝተተርጎመን ዝተተንተንን ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ።

ማሕበራዊ መድያ ከም ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ቲክቶክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንሂወትናን ምስ ካልኦት ሰባት ዘለና ናይ ምርኻብን ምልውዋጥን መንገድና ለዊጥዎ ይርከብ። ካብ ማሐበራዊ መራኸቢታት ኣጣቓቕማና ብዙሓት ረብሓታት ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብቐሊል ምስ ኣባላት ስድራናን ኣዕሩኽትናን ንራኸብ። ብቐሊል ኣገደስቲ መልእኽትታት፡ ሓበሬታትን ፍጻመታትን ብምቕባል ኣብ ከቢባ ዓለም እንታይ ይካየድ ኣሎ ንኽንፈልጥ ይሕግዘና። ብመንገዲ ማሐበራዊ መራኸቢ ሜላታት፡ ንግዲ ከምኡ እውን ናይ ኦንላይን ትምህርታዊ ዕድላትን ካልኦት ጥቕምታትን ክንረክብ ንኽእል።

ኮይኑ ግን ማሐበራዊ መራኸቢታት ሰብኣዊ፡ ሞራላውን ሓላፍነታውን ዝገደሎ ኣገባብ ምስ ንጥቀመሉ፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል እውን ንፈልጦ ነገር እዪ። ንኽትርእዮ ከቢድ ዝኾነ ትሕዝቶ ዘለዎ ቪድዮ ወይ ደረቕ ስእሊ ምዝርጋሕ፡ ኣጥቃዒ ዝኾነ መልእኽቲ ምዝርጋሕን ብውልቂ ምስዳድን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንኻልኦት ሰባት ጎነጻውን ከቢድ ውጽኢትን ክኸውን ይኽእል። ኣጥቃዒ፡ ጎነጻውን ከቢድ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ንዝርግሕ መን ይርእዮ ክንፈልጥ ዝከኣል ኣይኮነን። ብርግጽ ድማ ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ገጽ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢና በዚ ንዝርግሖ ከቢድ ትሕዝቶ ብኸቢድ ክህሰዩን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ክሳቐዩ ይኽእሉን። ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብና ብሰንኪ ኣብ ሲናይ ዘሕለፍዎ ከቢድ ተሞክሮ ድሮ ዝሳቐዩ ዘለው ሰባት። ብዝኸፍአ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታትና ብንዝርግሖ ከቢድ ትሕዝቶታት ንማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥቀሙ ቆልዑን ትሕቲ ዕድመን ኣዝዩ ከቢድ ጽልዋ ይፈጥር።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ዜና ብዛዕባ ኣብ ኤውሮፓ ብመጻምድተን ዝተጎድኣ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ኤርትራውያ ማሕበራዊ መራኸቢ ተዘርጊሑ ነይሩ። ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ሰባት ብሕማቕ እንዳተሳቐዩ ዝሓዘ ቪድዮ ኣብ ፌስቡክን ማሕበራዊ መራኸብን ብጻዕቂ ክዝርጋሕ ተራእዩ ነይሩ። ሰባት በዚ ጎነጻዊ፡ ጭካነ ዝመልኦ፡ ኣረሜናዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ስንባደ ብምፍጣር ደው ንምባሉ ጻውዒት ንምግባር ኢሎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሕዎ ተራእዮም ነይሮም። ኮይኑ ግን ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ኣብ ፌስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ቲክቶክን ምዝርጋሕ ንገዛእ ርእሱ ንኻልኦት ዝርእይዎ ሰባት ጎዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ሓላፍነታዊ ኣጣቓቕማ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢና ክንጽውዕን ክንመክርን ንደሊ።

ንሕና ኣብ ኣሳፍ ካብ ማሕበረሰብና ብሰንኪ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ጎነጻውን ኣሰንባድን ትሕዝቶ ስለዝተቓልዑ ኣብ ትካልና ክንቅበልን ክንሰምዕን ኪኢልና። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢና ከም በዓል ፌስቡክ፡ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ዮቱብን ውሕስነትና፡ ውሕስነት ካልኦትን ውሕስነት ደቅናን ክንዕቅብ ክሕግዘና ዝኽእል ሓበሬታትን መንገድታትን ኣዳሊና ዘለና።

1. ብዛዕባ እቲ ትዝርግሖ ትሕዝቶ ከምጽኦ ዝኽእል ጽልዋታታ ዳግመ ግምት ግበር፡ ረባሽን ጎነጽን ዘለዎ ትሕዝቶም ካብ ምዝርጋሕ ተቆጦብ። ኣብቲ ሓደ ሸነኽ ገጽ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ካልኦት ሰባት ነቲ ዝዝርጋሕ ትሕዝታት ዝከታተሉ ሰባት ኣለው። ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ልብሲ ኣልቦ፡ ትሕዝቶ ናይ ዓመጽ ዘለዎ፡ ጎነጻዊ ወይ ሃሳዩ ስእልን መታለሊ ሓበሬታ እንድሕር ዘርጊሕካ ንኻልኦት ሰባት ብኽልቲኡ ወገን ኣካላዊ ይኹን ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክጎድእ ይኽእል። ብፍላይ ድማ ነቶም ብገዛእ ርእሶም ኣብ ሂወቶም ብጎነጻዊ ተሞክሮ ዝሓለፉ፡ ህጻናት ወይ ድማ በዚ ዝዝርጋሕ ዘሎ ጎነጻዊ ትሕዝቶ ግዳያት ዝኾኑ። ኢንተርነትን ማሐበራዊ መራኸብን ማሕበረሰብና እዩ፡ ንኹሉና ውሕሱ ቦታ ክንገብሮ ድማ ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ።

2. ስምዒታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ቅድሚ ምዝርጋሕካ ክልተ ግዜ ሕሰብ፡ ኣብቲ ትሕዝቶ ንዝርጋሓሉ እዋን ምናልባት መሃሪ ወይ ሓጋዚ ኮይኑ ክስምዓኒ ይኽእል እዩ፡ ኮይኑ ግን ብርቱዕ ሕርቃን ወይ ናይ ሓዘን ትሕዝቶ ዝሓዘ ትሕዝቶ ድሕሪ ኣብ ሶሻል መድያ ምዝርግሑ ናይ ነዊሕ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ምስ ተዘርግሐ ብፍጹም ክእለ ከም ዘይክእል ኣብ ግምት ከነእትዎ ይግባእ። ስለዚ ስምዒታዊ ትሕዝቶ ዝሓዘ ንማሐበራዊ መድያ ዝኸውን ኣብ ትሰርሓሉ ቅድሚ ምዝርጋሕካ፡ ክፍጠር ዝኽእል ሳዕቤናዊ ውጽኢቱ ከተስተውዕለሉ ንሓትት።

3. ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብብዝሒ ኣይትዘርግሕ፡ ኩሉና መቸም ሓደ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ዓርክና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብብዝሕን ብዝርዝርን ብዛዕባ ውልቃዊ ሂወቱ ዝርግሕ ኣለና። እዚ ንዓና ዘሰልቹ ወይ ዘሕርቕ ኮይኑ፡ ልዕሊኡ ግን ብሰንኪ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ምሕዝነትና ናትና ውልቃዊ ሓበሬታና ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ይኽእል እዩ። እስኻ ፖስት ትገብሮ ትሕዝቶ መን ይርእዮ ኣሎ ንምርግጋጽ ኣብ ናትካ ማሕበራዊ መድያ ኣካውንት ዘለካ ምርጫ ናይ ውልቃውነት ቸክ ግበርን ኣድራሻኻ፡ ትነብረሉ ከተማ፡ ዕለተ ልደትካ፡ ወይ ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ምዝርጋሕ ተቐጠብን። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትገብሮ ንጥፈታት ይኹን ትዝርግሖ ትሕዝቶታት መን ክርእዮ ይኽእል ክትቅይሮ ናይ ምኽኣል ምርጫ ኣለካ። ብኸመይ ክትቅይሮ ከም ትኽእል ኣብዚ ዩቱብ ሊንክ ተኸታተል፡ https://www.youtube.com/watch?v=KBdFF2Bm5jg

4. ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝሰደልካ ናይ ምሕዝነት ጠለብ ብቕጽበት ኣይትቀበል፡ ኩሉ ነገር ቸክ ግበር፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ዕርክነት ጠለብ ቅድሚ ምቕባል፡ ንካብ ዘይትፈልጦም ሰባት ዝመጻኣካ መልእኽቲ መልሲ ቅድሚ ምሃብ፡ ወይ ኣብ ዘጠራጥር ሊንክ ቅድሚ ምጥዋቕ – ብዛዕባ እዞም ሕቶታት እዚኦም ሕሰብ፡ እዚ ሰብ ይፈልጦ ድየ?ክኣምኖም ይኽእል ድየ?ንምንታይ ዕላማ መልእኽቲ ሰዲደሙለይ? ሰባት ንምህሳይ ወይ ንምትላል ዝዓለሙ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከም ዘለው ኣይትዘንግዕ። ስለ ዝኾነ ድማ ንገዛእ ርእስና ክንሕሉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣዕሩኽትና ብጥንቃቐ ክንመርጽን ይግባእ። ዋላ ኣብ ሓቀኛ ሂወት ምሕዝነት ክንምስርት ግዜ ዝወስድ ነገር እዩ። ኣዕርኽቱና ክኾኑ ንደልዮም ሰባት ክንመርጽ ግዜ ይወስደልና። ልክዕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንላለዮም ሰባት ድማ ኣዕሩኽትና ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ክንመርጽ ግድን።

5. ብዛዕባ ውሕስነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምስ ደቅኻ ተዘራረብ፡ – ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥቀም ህጻን እንተድኣ ሃልዩካ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሓፈሻን ምስኡ ዘለዎም ተሞክሮን ብኹፉት ተዛራረብ። ብዛዕባ ናይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክርከቡ ዝኽእሉ ሓደጋታትን ንዕኦምን ነዕርኽቶምን ውሕስነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንምውሓስ ክሕግዞም ዝኽእል ነገራት ግለጸሎም። ሙሉእ ስሞም፡ ስም ቤት ትምህርቶም፡ ቁጽሪ ተለፎኖም፡ ወይ ኣድድራሻ ናይ ዝነብርሉ ንዘይፈልጥዎ ሰብ ከይህቡ ንገሮም። ብዛዕባ ዘይንቡር ስእልታት ወይ ሓድሽ ነገር ናይ ውልቃዊ ሂወቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንኸይዝርግሑ ከተረድኦም ፈትኑ ወይ ክስዕቡ ዝኽእሉ ሳዕቤናት ምሃርዎም። ብዛዕባ ዘለው ናይ ኢንተርነት ኣጥቃዕቲ ምስ ደቅኹም ኩፉት ዝርርብ ክትገብሩን ብዛዕባ ንምንታይ ብኢንተርነት ዝተላለኻዮ ሰብ ብኣካል ክትረኽቦም ሓደጋኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ክትገልጽሎም ከም ዘለኩምን ኣረጋግጹ።

6. ቅድሚ ምድቃስካ ቴለፎንካ ኣርሒቕካ ኣቐምጥ ወይ ድምጺ ኣልቦ ግበር – ኣብ ትድቅሰሉ እዋን ብመንገዲ ፌስቡክ ዘይትሰማማዓሉ ነገር ወይ ንኽትርእዮ ከቢድ ቪድዮ ወይ ደረቕ ስእሊ ዝተዘርግሖ እንድሕር ርኢኻ፡ ንገዛእ ርእስኻ ክትረጋጋእን ክትድቅስን ከቢድ ክገብሮ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ፌስቡክ ዝዝርጋሕ ዋላ ዘሕርቕ ኣይኹን፡ ኣብዚ እዋን ድቃስ ኣብ ፌስቡክ ኣእምሮኻ ብምጽማድ እንድሕር ትዛወር ኣለኻ ድቃስ ክኸልኣካ ይኽእልን ብዛዕባ ኣብ ፌስቡክ ዝረኣኻዮ ሙሉእ ለይቲ ክትሓስብ ዕረፍቲ ክትስእን ትኽእልን ኢኻ። እዚ ድማ ንዓኻ ናብ ኣቓልቦኻ ዝወስድ ከቢድ ስምዒታት፡ ረበሽቲ ሓሳባትን ልዑል ሻቕሎትን ክመርሐካ ይኽእሉ እዮም።

ስለዚ ብሓፈሻ ኣብዚ እቲ መልእኽቲ እንታይ እዩ።

ከምቲ ኣቐዲምና ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ዝጠቕስናዮ፡ ካብ ኣጣቓቕማ ማሐበራዊ መራኸቢ ክንረብሖ ንኽእል ረብሓ ከም ዘሎ እምነት ኣለና። ነንሕድሕድና ከቃራርበና ይኽእል፡ ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ዓለምና ዘጋጥሙ ነገራትን ፍጻመታትን ሓበሬታ ብቐሊልን ቅጽበትን የቕስመናን ከምኡ እውን ክእለት ክንቀስምን ናይ ትምህርቲ ምንጭታት ብመንገዲ ኦንላይን ናይ ትምህርቲ ዕድላት ክኸፍተልና ይኽእልን። ኮይኑ ግን ማሐበራዊ መራኸቢ ብጥንቃቐን ምስትውዓልን ክንጥቀመሉ ድማ ኣገዳሲ እዩ። እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ወይ ዝርጋሐ ትሕዝቶታትን ብመንገዲ ማሐበራዊ መራኸቢ ንቕበል፡ ንዝርግሕን ንካፈሎን ውሕስነት ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ንምዕቃብ ልዑል ጥንቃቐን ምስትውዓልን ክንገብር ኣዚና ንመኽሮ ነገርን ኣገዳስን እዩ።

ፍርሒ፡ ስግኣት ወይ ነብስኻ ናይ ምህሳይ ስምዒት ዝፈጥረልካ ጎነጻዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ቪድዮ ወይ ስእሊ እንተድኣ ርኢኻ ወይ ተቓሊዕካ ሓገዝ ክትረኽበሉ ትኽእል ቦታ ከም ዘሎ ፍለጥ። ኣብዚ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ቦታታት ብዛዕባ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ጥዕናዊ ኩነታትካ ደገፍን ምኽርን ክትረኽበሎም ትኽእል ቦታታት እዮም።

1. ማገን ደቪድ ቀይሕ ወይ ኣምቡላንስ – ኣብ ዝኾነ ናይ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ህጹጽ ኩነታት እንተድኣ ሃሊኻ እሞ ንነብስኻ እንተድኣ ፈሪሕካ፡ ማገን ደቪድ ቀይሕ ወይ ኣምቡላንስ ደውል። መደወሊ ቁጽሪ 101። ከም ተወሳኺ ኣብ ህጽጽ ክፍሊ ናይ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ሆስቢታል ክትበጽሕ ይከኣል እዩ።

2. ናይ ስድራ ሓኪም ኣብ ኩባትሆሊም ናትካ – ናይ ሕክምና ውሕስነት እንድሕር ድኣ ሃልዩካ እሞ ብዛዕባ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኻ ዝምልከት ምስ ሓኪም ክትማኸር እንድሕር ደሊኻ፡ ናብቲ ናትካ ናይ ስድራ ሓኪም ብምኻድ ክትማኸር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘለካ ግን ናይ ስድራ ሓኪም ኣብ ህጹጽ ናይ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ኩነታት እንድሕር ድኣ ሃሊኻ ክሕግዘካ ኣይክእል። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስናዮ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት እንተድኣ ሃሊኻ፡ ኣምቡላንስ ደውል ወይ ኣብ ህጹጽ ክፍሊ ናይ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ሆስቢታል ብጻሕ።

3. ኣሳፍ: ደገፍ ትካል ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቅባን ኣብ እስራኤል: ብሰንኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝራኣኻዮ ወይ ዝተቓላዕካዮ ልዑል ጸቕጢ እንድሕር ተሰሚዑኳ እሞ ብዛዕባ ኣበየናይ ትካል ደገፍ ክትረክብ ከም ትኽእል ሐበሬታ ክትረክብ እንተድኣ ደሊኻ፡ ናብቲ ኩፉት ሰዓታት ናይ ትካል ኣሳፍ ደውል።

ኣብ ኣሳፍ ቆጸራ ንምሓዝ ብ0556650022 ቁጽሪ ቴለፎን ኣብዚ ዝስዕብ መዓልታትን ሰዓታትን ደውሉ፡

ሰንበት: 10:00 – 11:00

ሰሉስ: 10:00 – 11:00

ክፍት ናይ ምቅባል ተገልገልቲ ግዜና ከምቲ ንቡር ሰንበትን ሰሉስን ኮይኑ ካብ ሰዓት 16:00-20:00

Address: Golomb 52

ኣሳፍ: ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን ሓገዝ ዝህብ ማሕበር።

ኣባላት ትካል ኣሳፍ!