እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኲናት

15.10.23

ללא קטגוריה

     ሓማስ ብቀዳም 07/10/2023 ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ንህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ገበናት ብልቢ ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ። እቲ ድምጽን ትርኢትን ክትሓስቦ ዘይሕሰብ ኮይኑ ኣዝዩ ዝቐንዙን ዘሐዝንን እዩ።እቲ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝፈላሊ ኣይነበረን ስለዚ ካብ ስደተኛታት ሕብረተሰብ ከይተረፈ ዝተጎድኡን ዝጠፍኡን ኣለዉ።ከምኡ እወን ኣብ ኲናት ዝካየደሎም ከባቢታት ዝነብሩ ማሕበረሰባት ስደተኛታት ኣለዉ።

 

ማሕበር ኣሳፍ ምስ ስደተኛታት – ኲናት "ኻራቮት ባርዜል(ሴፋት ሓጻውን)

ካብ ሕክምናዊ ክንክንን ሓገዘን ዝተርፍ ሕብረተሰብ ከም ዘይብልና ክነራጋግጽ ኣለና።

 

ሎሚ መንብዛሕቲኦም ካብ ኤርትራ፣ ዩክሬንን ሱዳን ዝኾኑ ኣስታት 70 ሽሕ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ደቆምን ኣብ እስራኤል ይነብሩ።ሃንደበት ስድርኦምን ኩሉ ንብረቶምን ገዲፎም፡ ካብ ኣረሜናዊ ወተሃደራዊ ምሕደራ፡ ኲናት፡ ምጽናት ዓሌት፡ ዓመጽ፡ ምዝማትን ቅትለትን ኣምሊጦም ካብ ዓዶም ሃዲሞም ። መዓልታዊ ናይቲ ዘምለጡሉ ስንባደ ዝመልኦ ናይ ህይወት ኩነታት እንዳበድሁ፣ ኣብ እስራኤል እውን ኣብ ምብዳህ ናይ ኲናት ኲነታት ይርከቡ።

ኣስፍ- ንሰደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝተሓጋገዝ ማሕበር ፥ ሕብረተሰብ እስራኤል መሰል ስደተኛታት ናይ ምኽባር ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ ኢሉ ብምእማን ንስደተኛታት ዝግበር ሓገዝ ዘዋሃህድ ማሕበር እዩ። ኣሳፍ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ክልተቀንዲ ንጥፈታት ኣተኲሩ ይነጥፍ፥  ንሳቶም ድማ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ሓገዛትን ደገፍን ምሃብን ህዝባዊ ጎሰጋስ ብምግባርን ምስ መንንግስታውያን ትካላት ብምርኻብን ሕጋዊ መሰል ስደተኛታት ንክኽበርን እዮም። ቤት ጽሕፈት እዚ ማሕበር ኣብ ደቡብ ቴል ኣቪቭ ይርከብ፡ ይኹን እምበር ማሕበር ኣሳፍ ኣብ መላእ ሃገረ እስራኤል ንዝርከቡ ስደተኛታት ኣጎልጉሎት ይህብ፡ እንኮላይ ንኣብ ኲናት ኣብ ዝካየደሎም ከባቢታት ዝርከቡ ማለት ከም ስደሮት፡ ኣሽከሎንን ዝኣመሰሉ ቦታት።

መብዛሕትኦም እቶም ካብቲ ማሕበር ሓገዝ ዝሓቱ ካብ ሕብረተሰብ ስደተኛታት  ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ክፋል እዮም: ከም ካብ ስቅያት ዝደሓኑ: ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም : ብኣእምሮኦም ዝተጎድኡ: ሕሙማት: ኣብ ቀጻሊ ዝሙት ዝርከባ : ግዳም ሓደር: ንጽል ኣዴታት/ኣቦታት ፡ ብዜበታዊ ዓመጽ ዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ፡መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ካልእን።  ካብዚ ማሕበር ሓገዝ ዝሓትቱ  ልዕሊ 52% ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ክሳብ እዚ ሰነድ  ዝተጽሓፈሉ ግዜ ፡ ኣብ ማሕበረሰባት ስደተኛታት ዝተለለዩ ቀንዲ ብድሆታትን መሰናኽላትን ኣብ ታሕቲ  ስዒቦም ዘለዉ እዮም፤

  • ማህሰይቲ "ዱኹማት" ማሕበረሰባት፤ ስደተኛታት ሕብረተሰብ ካብ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሕብረተሰባት እቶም ኣዝዮም ዝተነጸሉን ዝተሃሰዩን ሕብረተሰብ እዮም።ኣብ ሓደጋን ህጹጽ ኩነታትን ከይተረፈ እዞም ማሕበረሰባት ሓጋዚ ኣልቦን ካብ ጸጋታትን ሓገዝን ዝተገለሉን ክኾኑሉ ዝኽእሉ ሓደጋ ኣሎ። ስደተኛታት ብሓፈሻ ቁጠባውን ማሕበራውን መሰላት፡ እንተላይ ናይ ሃገራዊ መድሕን ሓገዛትን መብዛሕትኡ ናይ ድሕነት ኣገልግሎትን መሰል ከምዘይብሎምን፡ በዚ መኽንያት ብዙሓት ካብኣቶም ብፍጹም ብናይቶም ዝነብሩሉ ወይ ኣብ ዘለዉዎ ከባብያዊ  ምምሕዳራት ክፍልታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኮነ  ሃገራዊ ናይ ድሕነት ኣጎልጉሎት(ቢቱዋኽ ሎሚ) ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን ክዝንጋዕ የብሉን። ከምኡ'ውን፡ ኣብቶም ንስደተኛታት ዝካረዩ ወነንቲ ክራይ ገዛ ዝጥቀሙሉ ኣገባብ ምክራይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዙሓት ካብኣቶም ከም "ወነንቲ" ናይቲ ዝካረይዎ ገዛ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ስለዘይተመዝገቡ፡ ኣብ ዝርዝር መዝገብ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ምምሕዳራት የለዉን።ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብቲ ኲናት ዝተጎድኡ ወይ ኣብ ኲናት ዝካየደሎም ከባቢታት ብምንባር ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት "ኣብ ትሕቲ ራዳር" ኮይኖም፡ ህይወት ዘድሕን ሓገዝን ሓለዋን ከይረኽቡሉ ዝኽእሉ ልዑል ሓደጋ ኣሎ።
  • መብዛሕትኦም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ብቀረባ ክረኽቡዎ ዝኽእሉ ዝኾነ ውሑስ መዕቆቢ ቦታ የብሎምን፤ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ከቢድ ድኽነት የጋጥሞም።ኣብ ድኻታት ከባቢታት፣ ኣብ ኣረጊት ገዛውቲ፣ ኣብ ዝተሓላለኸ ኩነታት መነባብሮ (ንኣሽቱን ጸበብትን ገዛውቲ ይካረዩ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ብዘይካ ስድራቤት ካሎኦት  ተወሳኽቲ ተኻረይቲ ዘለዎም)  ይነብሩ።ብዙሓት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ከም ዘየለ ይሕብሩ።
  • ኣብ ኩናት ዝካየደሎም ከባቢታት ዝነብሩ ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንኽወጹን   ውሑስ ክነብሩሉ ዝኽእሎ ቦታ ከም ኣማራጺ  ክረኽቡሉን ዝኽእሉ ውሱናት  ዕድላት፤ ኣብ ከባቢታት ኲናት ንዝነብሩ እስራኤላውያን እውን እንተኾነ ኣብዚ እዋን መንግስታዊ ኣማራጺ ፍታሕ ኣባይቲ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን።ሲቪላውን ማሕበረሰብ እስራኤልን ንግዳውያን ትካላትን ብዘተባብዕ መንገዲ ንምሕጋዝ እኳ እንተተሰለፉ፡ ነቶም ኣባላት ስድራቤቶም ዝጠፍኡን ኣብ ኖርማል እዋን  ከይተረፈ ብኣድልዎን ምግላልን ዝሳቐዩን ስደተኛታት፡ ካብቲ ናይ ኲናት ከባቢታት ወጺኦም ንግዜኡ ዘይኮነ ናይ መንበሪ ኣማራጺ መፍትሒ ናይ ምርካብ ዕድል፡ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።ኣብ ስራሕና፥ ልቢ ዝሰብር፡ ካብ ካብ ከባቢታት ቃዛ ተፋናቒሎም ብሰንኪ ዜግነት ዘይምህላዎም ንምዑቋቦም ተቐባልነት ዝሳኣኑ ሓያሎ ስድራቤታት ኣጋጢሞሙና።ከምኡ እውን ንዝተፋናቐሉ ኣይሁዳውያን ጥራይ ንኮዕቁቡ ድልውነቶም ዝገለጹ ቦታታት ውሑዳት ኣይኮኑን።
  • ስራሕ ምስኣንን መርበብ ውሕስነት ዘይምህላውን፤ ቀዳም 7 ጥቅምቲ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ካብቶም ኣዝዮም ዘፍርሑን ስንባደ ዝመልኦምን መዓልታት እያ ነይራ።ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ካብ ገዘኦም ሃዲሞም ኣብ እስራኤል ዑቕባ ክሓቱ ዝገደዶም ሕሉፍ ከቢድ ስንባደ፡ ኩናት፡ ምጽናት ዓሌትን ካልእ ግፍዕታትን ዝዳሓኑ እዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ካብ ኣረሜናዊ ስቅያትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ኣምሊጦም ናብ እስራኤል ዝኣተዉ እዮም። ንዐኦም፡ እዚ መዓልታት’ዚ’ውን ወትሩ እውን ህሱያት ናይ ዝኹኑ ሕብረተሰባት ሽግር መሊሱ ዘጋደደ፥ ንዝሓለፉዎ ስንባደ ዳግማይ ምዝኽኻርን ናይ ዝሓለፈ ከበድቲ ዝኽርታት ምዝኽኻርን እዩ። ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጉዳይ እዩ፡ ምስዚ ዝተጠቕሰ ድማ ስደተኛታት ኣብ ንቡር መዓልታት’ውን እንተኾነ ኣገልግሎት ጥዕና ሰነ ኣእምሮ ዝረኽብዎ ድሩት ኮይኑ  ኣብዚ አዋን እዚ ዳርጋ የለን ።
  • ስእነት እሙን ሓበሬታን ኣፍሉጦን፤ እዋናዊ መምርሒታትን ትእዛዝን ድሕረ ግንባር ውሽጢ ሃገር ብወግዒ ስደተኛታት ብዝዛረቡዎ ቋንቋ ኣይቀርበሎምን። ከምኡ’ውን ብዙሕ ግዜ እዞም ማሕበረሰባት ብዘይወግዓዊ መርበባት ብዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ብዘይተኣማመንን ብቑዓትን ምንጪ ሓበሬታ ይምገቡ፡ እዚ ድማ ኣብ ኣባላት ማሕበረሰባት ጭንቀት ይገብርን ሽግራቶም የዛይድን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንጥፈትና ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ነገራት ዘተኮረ እዩ፤

 

  1. ቀጥታዊ ሓገዝ ንኣዝዮም ህሱያት ዝኾኑ ማሕበረሰባት- ኩናት ከም ዝጀመረ ሓበሬታ ካብ ዝወጸሉ ሳዓት ጀሚሩ ሰራሕተኛታት እዚ ማሕበር ኣብ ምሕጋዝ እዞም ስዒቦም ዘለዉ ነገራት ተጸሚዱ:

 

  • ናይ ኣዝዩ ህሱያት ስኾነ ሓተቲ ሓገዝ ንቡር ሂወት ኣብ ምዕቃብ፡ ምስናይን ምድጋፍን – ኣባላት ክፍሊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ኩነታት (ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፣ ኣባላት መቐበሊ ኣጋይሽ፣ ኣስተርጎምቲ ሕብረተሰብን፡ ኣባላት ዛዕባ መንእሰያትን ሓዊሱ) ብማሕበር ንዝሰነዩ ተሓገዝቲ ኣጎልጉሎትን ደገፍን ምሃብ ይቕጽል።
  • ምስፍሕፋሕ ኣገልግሎት ደገፍ ብመንገዲ ማእከል ምጥባቕን ደገፍን (ምቕናል ኣጋይሽ) – ማሕበር ኣስኤፍ ካብ ካልኣይ ሰሙን ውግእ ጀሚሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ንማሕበረሰባት ዝምጥን ምላሽ ንምሃብ ምቕባል ኣጋይሽ ኣስፊሑ ህጹጽ መስመር ቴሌፎን ኣጣይሱ።
  • ምስፍሕፋሕ ሰብኣዊ ሓገዝ– ብሰንኪ እዚ ቅልውላው ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ዝያዳ ህሱያት ሕብረተሰባት ዘስዓቦ ድራማዊ ሽግር ኣብዚ እዋን ቅልውላው፡ ስሩዕ ንጥፈታትና ምቕጻል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዝበጽሕ ሰብኣዊ ጉድኣት ንምቕናስ ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣስፊሕናዮ። ከም መቐጸልታ እዚ፥ ማሕባርና ደረቕ መግቢ፡ ንህጻናት ዝኸውን ጸባ፡ ፓምፐር፡ ቁጦባዊ ሓገዝን ካልእን ዮድል።
  • ኣብ ከባቢታት ቃዝን ከባቢኦምን ናይ ዝነብሩ ናይ ኣሳፍ ተኣለይትን ሓተትቲ ሓገዝን ምምእካል- ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ኣስታት 200 ስድራቤታት ተለሊዮም/ተረኺቦም።ሰራሕተኛታት ማሕበር ኣብ ኲናት ዝካየደሎም ከባቢታት ንዝነብሩ ስደተኛታትን ብእኡ ዝተሃስዩን ንምብጻሕን ሰነ ኣእምሮኣውን ሰብኣዊ ሓገዛትን ደገፍን ንምሃብ ይሰርሑ።
  • ካብ ማሕበረሰባት ስደተኛታት ናይ ዝጠፍኡ ምድላይን ዝርዝራቶም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ምትሕልላፍን።
  • ምስ ቅልውላው ዝተኣሳሰሩ ሰብኣዊ ጉዳያት ምልላይ(ስእነት ውሕስነት መግቢ፡ ድሌታት ኣባይትን ፋይናንሳዊ ድሌታትን) ከምኡ’ውን ኣብ ሓጺር ግዜን ኣብ ነዊሕ እዋንን ጸገም ማሕበረሰባት ስደተኛታት ንምቕናስ ዝተመጣጠነ ውጥናት ምትእትታው ምህናጽ።
  • ብመሰረት መጽናዕቲ ድሌታት ሓበሬታ ንዝምልከቶም ሕብረተሰባት ብፉሉይ ዝግበሩ ንምድጋፍን ሓበሬታ ንኽረኽቡ ንምግባርን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝግበር ኣኼባታት ዙም ምግባር።

 

  1. ዘተኣማምን ሓበሬታ ንማሕበረሰባት ክበጽሕ ምግባር- ህሉው እዋናዊ ሓበሬታ ምቕራብን ንሕብረተሰባዊ ውሕስነትን ተጻዋርነትን ንምዕባይ መሰላት ስደተኛታት ኣም ምርካብ ምሕጋዝ- ማሕበር ኣሳፍ ባዕላዊ ትህዝቶ ብምድላው፣ ውግዓውያን ሓበሬታት ብምቱርጓም ናይ ማሓዙት ማሕበራት መልእኽታት ብምብዛሕን፡ (ኣብነት ከም መምርሒ ምክላኽል) ሓበሬታ ተረካቢ ንምግባርን ነቲ ሓበሬታ ብዝምልከት ንማሕበረሰባት ስደተኛታት ኣብ ምቕራብን ይሰርሕ፣ ከምኡ’ውን፡ ማሕበር ኣሳፍ ብዘለዎ ክእለት መሰረት ብምግባር ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍ ይህብ፡ እዚ ማሕበር ደረጃ ጸቕጢ ማሕበረሰባት ንምቕናስ ዝተዳለወ ትሕዝቶታት ብምፍራይ የቕርብን ይዝርግሕን (ንኣብነት ኣእምሮኣዊ ጽንዓት ምዕቃብን  ካልእን)። መብዛሕትኡ ማሕበር ኣሳፍ ዝጽሕፎ፡ ዝዝርግሖ/ወይ ዘባዝሖ ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፤ ኣብ ገጽ ፈይስቡክ ወይ ዌብ ሳይት ናይ ኣሳፍ  ምርካብ ይካኣል።(ብዝተፋላለየ ቋንቋ ሓበሬታ ክቕርቡ ዝኽእሉ ገጻ ሰሪሕና)
  2. ኣብ እዋን ቅልውላው ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከከም ኣድላይነቶም መሰላትን ኣገልግሎታትን ተበጻሒ ንምግባር ዝዓለመ ህዝባዊ ንጥፈትታ –እዚ ማሕበር ሓበሬታ ብምእካብ ኣብ እዋን ቅልውላው መንግስታዊ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ምእላይ ዝገብሩዎ መጽናዕቲ ብምክያድ ነዚ ምስቶም ዝተጠቕዑ እስራኤላውያን ብምንጽጻር ዝግበር ኣድልዎ ክህሉ ዝገብር ፖሊሲ ንምቕያር ይሰርሕ።

ልብና ምስ ሓዘንተኛታት ስድራን ምስ ቁሱላትን ምስ ዝተጨወዩን እዩ፡ ዝተጨወዩ ብቑልጡፍ ክምለሱን ዝቖሰሉ ክሓውዩን ንጽሊ።

 

 

                    ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊኣብ ጎድንና ክትኮኑ የድልየና።

ብወለንታ ንምስራሕ                       ንምዉፋይ

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣሳፍ ዝያዳ ሓበሬታ ምርካብ ይካኣል- ፈይስቡክ  ኢንስተግራም  ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ X(ቲዊተር)


ከም እትፈልጥዎ ኣላርም ክድወል ከሎ ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ዕቑር ቦታ ክትጸንሕ ኣለካ። ኣብ ህጹጽ ክፍሊ ወይ መጽለሊ ዘይብሉ ህንጻ ትነብር እንተኾንካ – ናብ ውሽጣዊ መደያይቦ (መስኮትን መኽፈቲን ዘይብሉ መደያይቦ) ክትከይድ ኣለካ ምኽንያቱ እዚ ኣብቲ ህንጻ እቲ ዝበለጸ ውሑስ ቦታ ስለዝኾነ፤
– ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ – ናብቲ ብውሑዱ ኣብ ልዕሊኡ ክልተ ደርቢ ዘለዎ መደያይቦ ኪድ።
– ኣብ ሰለስተ ደርቢ ህንጻ – ናብቲ ኣብ ማእከላይ ደርቢ ዝርከብ መደያይቦ ኪድ።
ኣብቲ ዝተሓለወ ቦታ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ውሑስ ክኸውን ይምከር፡ ኣቐዲምካ ቦርሳ ምስ እቲ ኣብ መልእኽቲ ማሲላ ዝተጻሕፈ መሳርሒ ምድላው ይምከር።

ድሕሪ ሓደ ዘሕዝን ፍጻመ ብቕጽበት ዝስዕባ መዓልታት፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ብኸመይ ክጸልወና እዩ ዝብል ሕቶ ብዝምልከት ወሳኒ መዓልታት እየን። ጽቡቕ ጌርካ ንምጽዋር፡ ነቲ ስምዒታትን ስምዒታትን ኣፍልጦ ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ እንተኾነ ግን ነቲ ዕላል ኣብኡን ኣብ ረዳኢ ዘይብሉን ምግዳፍ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምህናጽ ትረኻ ጽንዓትን ከመይ ጌርካ ከም እትዋሳእን ምትኳር እዩ። ኣብ ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ምስትንፋስን ንመሰረታዊ ድሌታት ኣቓልቦ ምሃብን ተጠንቀቕ፡ እንታይን መንን ሓይሊ ከም ዝህበካ ሕሰብ።

 


ምኒስትሪ ትምህርትን ሃገራዊ ኣማራርሓ ወለደን ወለዲ ቆልዑት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዝሪእዎም ትሕዝቶታት ክካታተሉ ይጽውዕ።
ኲናት ካብ ዝጅምር ጀሚሩ ካብ ደቆም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከብድቲ ትሕዝቶ ዘለዎም ዝራኣዩን ስምዒታዊ ጸገማት ንምልላልይ ዝሕግዙ ሜላታት ንምድላይን ኣማኢት ወለዲ ናብ እገልጉሎት ስምዒታዊ ክንክናት ምኒስትሪ ትምህርቲ ጥርዓናት ተቐቢልና።
ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነገራት ኣስተውዕሉ( በሉ)፥
– ናይ ባህሪ ምቅይያር
– ናይ ድቃስ ለውጢ
– ለውጢ ምብላዕን ምስታይን
–  ምዕጻውን ጉድለት ድልየት ምድዋል ንኣዕሩኽ/ማሓዛን ስድራቤትን
ብቁጽሪ ቴለፎን 6552 ብምድዋል ቁጽሪ 5 ብምጥዋቕ ምስ ክፍሊ ስምዒታዊ ክንክን ምኒስትሩ ትምህርቲ ምዝርራብ ይካ
חזרה למעלה